መግለጺ ብዛዕባ 40 ዓመት ዲ.ማ. መ. ኤ. ኣብ ጀርመን

edjvu

ንሕና ግሃድኤ ጨንፈር ጀርመን ብመሰረት ዝተገበረልና መጸዋዕታ ምስታ ነዚ ዕማም ንምስላጥ ክትዋፈር ዝጸነሐት ብገለ ነባራት ኣባላት ማሕበር መንእሰይ ዝቕመት ሽማግሌ ብኣዎንታዊ መንፈስ ክምእንዋሳእ ኣብቲ ፈላሚ ርኽክብና ኣረጋጊጽና። ትጽቢትናውን ዝነበረ እዛ ሽማግሌ ነዚ ተረኽቦ ካብ ኣጀማምርኡ ክሳብ መደምደምትኡ ብኣ ተማእኪሉ ኩሉም ኣብ ምምስራት ማሕበር መንእሳይ ጸላዊ ተራ ዝነበሮም ባእታታት ክሳተፍዎን ሓቐኛ ታሪኽን ኣበርክቶን ኣብ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ናይዚ ማሕበር ንምብራህ ነበረ።

 

ታሪኽ ናይዚ ማሕበር ኣብ መወዳእታ 1974 ዝብገስ ኮይኑ ንተሓኤ ሰ.ባ. ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መላእ ኣውሮፓ መሰረት   ዘንጸፈ ክምዝኾነ ከነዘኻኽር ንፈቱ። በዚ መሰረት እዚ ተረኽቦ ንምኽባር ዝዓለመ ተበግሶ ነቶም ሽዑ ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ክሕተቱን ኣብቲ ዝኸይድ ዝነበረ ቃልሲ ተረኦም ምግላጽ ምተገበአ ንብል። እዚ መሰረት ዘይገበረ ኣበዓዕላ ግና ንተግበርቱ ዝምልከት ኮይኑ ባህሩን መንፈሱን ግን ካብቶም ዝጠቐስናዮም ሓቕታት ዝራሓቐ ክምዝኾነ ኣዝዩ ብሩህ እዩ። እዚ ማለት እዞም ዝጠቐስናዮም ሰራሕቲ ታሪኽ ናይዚ ማሕበር ኣብዝሃለወ ውድብ ወይ ምንቕስቓስ ሃሊዮም ነዚ ተረኽቦ ግን   ብሓባር ክግምግምዎን ምናልባትውን ኩሉ ካብዚ ዝመንጨወ ምንቕስቓሳት መሰረታዊ መበገሲ ምኽንያት ናይዚ ማሕበር ተረዲኦም ሃናጺ ዝምድና ኣብ ነንሕድሕዶም ፈጢሮም ኣብ መስርሕ ቓልሲ ደንበ ተቓውሞ ኣዎንታዊ ተራን ሓጋዚ ግደን   ክህልዎ ምኻኣለ ንብል። ሓደ ውድብ ወይ ምንቕስቓስ ወይ ምትእኽኻብ ነዚ   ተረኽቦ ምስ ህልውንኡ ኣዛሚዱ ክገልጾ ክፍትን ማለት ታሪኽ ምዕማጽ ዘስምዕ እዩ።

 

እቶም ነዚ ተበግሶ ወሲዶም ሓቐኛ ታሪኽ ማሕበር መንእሰይ ንምግላጽ ዝጻዓሩ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ዝምስገኑ ኮይኖም እቲ ክኸድዎ ዝጸንሑ ከይዲ ግን ንኹሉም   ኣብዚ ማሕበር ተራ ዝነበሮም ባእታታት ክፍልጡ ምተገበአ ንብል። በዚ ኣገባብ መን እንታይ ክምዝበለን እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ክምዝነበሮን ክፍለጥ   ምስተኻእለ። ካብዚ ተረድኦ ብምብጋስ እቶም ነዚ ተበግሶ ከማእክሉ ዝጸነሑ ብጾት ሕጅውን ነዚ ሓቕነታት ክብርሁን እቲ ንሶም ዝነበሮም ተረድኦ ነዚ በዓል ንምስልሳል ክምኡውን ዘጋጠሞም ሽግራት ንመላእ ኣባል ማሕበር መንእሰይን ነቶም ቐዳሞት ተዋሳእቲ ናይዚ ማሕበር ክሕብሩ ንጽውዕ።

 

 

ሽማግሌ ጨንፈር

 

ዲምክራስያዊ ማሕበር መንእሰያትን ሓርበኛታትን ኤርትራ ጀርመን

 

ዕለት 24.04.2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9574

Posted by on Apr 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net