“ህጹጽ ዜና ካብ ኣስመራ” መኸተ ህዝብና ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ እናደየበ ይኸይድ ኣሎ !!

ensf baner

ኣስመራ፡ ድሕሪ’ቲ ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘጕሂን መቕዝፈቲ ዜጋታትና ኣብ ማእከላይ ባሕርን ሊብያን፡ ድሮ ቤተ ሰቦም ክርድኡ ጀሚሮም ምህልዎም ሎሚ ዕለት 24/04/2015 ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ድሕሪ’ዚ መርድእ’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ዝርከብ ህዝብና ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ጥሒሉ ምህላዉን፣ ቃንዝኡን መረርኡን ዓው ኢሉ ክገልጽ ከም ዝጀመረን ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ስድራ ቤት ናይ ገለ ካብ’ቶም ዝተቐዝፉ ደቅና ተቐማጦ ዕዳጋ ዓርብን ዳዕሮ ቃውሎስን ዝኾኑ፡ ኣውያቶምን መሪር ሓዘኖምን ብእንጽርጽሮት ክገልጹ ምስ ጀመሩ፣ ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ክንዲ ዘጻናንዖም፣ ብሓይሊ ስቅ ከብሎም’ኳ እንተ ፈተኑ፡ ብምሉኦም ተቐማጦ ናይ’ቲ ቦታ ኣብ ጎድኒ እቶም ዝተጕድኡ ስድራ ቤታት ጠጠው በሉ። ድልየት ህዝቢ ዘየገደሱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግን ካብ ክሊትኡ ዞናታት 60 ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ሸብሮን ኣድማን ክትገብሩ ደሊኹም ብዝብል ሓቂ ዘይብሉ ምስምስ፣ ከም ኣመሉ ትማሊ ዕለት 23/04/2015 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበቶ ዳጊንዎም ምህላዉ ተረጋጊጹ። ህዝቢ ኣስመራ እዚ ጨካን ተግባር’ዚ ምስ ሰመዐ፡ ዳርጋ ብምሉእ ናብ ዓዲ ኣቤቶ ገጹ ተጓዕዘ። እዚ ዝራኣየ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሃውተታ ብምእታው፡ እዚ ዘይበሃል ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ጸፍጺፉ፡ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝተኣስሩ ዜጋታት ንክልቀቑ ንምሕታት ዝተኣከበ ህዝቢ ብዱላን ኣባትርን ክቅርስሞም ጀመረ። እዚ’ውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ “ንዓኻትክን’ውን ክንርሸነክን ኢና” ብምባል፡ ኣፈ-ሙዝ እናወጣወጡ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ነድሪ ዝተሓወሶን ድፍረት ዝመለኡን ምግቡዕባዕ ሓይልታት ጸጥታ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ዝተራእየ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ህዝብና ሎሚስ ይኣክል ኢሉ ጸኒዑ ስለ ዝመከቶም፡ ንግዜይኡ ጉዳይ ንከዝሕል ብዝብል ከንቶ ፈተነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀልጢፍና ክንፈትሖም ኢና ኢሉ እቲ ህዝቢ ሎሚ ምሸት ናብ በቦትኡ ከም ዝምለስ ገይሩ’ሎ። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከተተሉ ዘሎ ዜጋታት ከም ዝሓበርዎ ግን፡ እዚ ተባሪዑ ዘሎ ናዕቢ ብቐሊል ዘይሃድእን ጌና ክቕጽል ኢዩ ዝብል ትጽቤት ዝገበረሉ ጉዳይ ምዃኑን ኣረጋጊጹም። ብፍላይ ድማ፡ መርድእ ስድራ ቤታት ግዳያት ማእከላይ ባሕርን ሊብያን ይቕጽል ምህላዉን፣ ዝሰፍሐ ኣካላት ሕብረተሰብና ጠንቂ ናይ’ዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ ህልቂት፡ ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ እቲ ኣብ መንጐ ህዝብን ስርዓትን እናደየበ ዝመጽእ ዘሎ ረጽሚ ክቕጽል ምዃኑ ዘይግመት ኣይኮነን ክብሉ እቶ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ዜጋታት ኣረጋጊጾም።  

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

24/04/2015  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9577

Posted by on Apr 25 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net