News

መግለጺ ሓዝን ብምኽነያት ምጥሓል ኤርትራውያን ስደተኛታት

eda

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 19/04/2015 ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ ግዜ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ናይ መርከብ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢሙ ከባቢ 350 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምህላቖም ዝተስምዑ መሪር ሓዘን ይግለጽ።

 

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ቁጠባዊ ስእነት ዘይኮነስ፡ ብቅንዱ ምንጪ ናይ’ዚ ስደትን ሓደጋታቱን፡ ኣዕናዊ ፖለሲታት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክረጋግጽ ይፍቱ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኩሮ ክገብርን ልዑል ሓላፍነቱ ክጻወትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን የማሕጸን።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ብሓፍሻ፡ ንመላእ ቤተሰብ ግዳያት’ዚ ሓደጋ’ዚ ብፍላይ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ ንግዳያት ዝኾኑ ድማ መንግስተሰማያት የዋርሶም ይብል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

24 ሚያዝያ 2015

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top