ደሃይ ዓዲ : ምንጪታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

 eudc

  1. እቲ ብዮሱፍ ሳይቕን ሚኒስተር ኤኮኖሚን ዝምራሕ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝሓወሰ ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ የመን ዘለዎም መርገጽ ንመንግስቲ ሱዳን ንምብራህ ቅልጡፍ ዑደት ከካይድ’ኳ እንተተገደደ፡ ኮይኑ ግን ብዙሕ ተገዳስነትን ኣቃልቦን ዘይምርካቡ ተገሊጹ። መንግስቲ ሱዳን ምስቲ ልኡኽ ዝራኸቡ ተራ ካድራት ሰልፊ ብድሕሪ ምስዳዱ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንምስማዕኩምን ምሳኩም ንምትሕብባርን ጻዕርታት ክንገብር ኣይንኽእልን። ምክንያቱ መንግስቲ ምስ ምርጫ ብዝተኣሳሰረ ካብ ስልጣን ዝወረደሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ክሰምዕ ዝኽእል ኣካል የለን ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ።
  2. 100 ዝኾኑ ወተሃደራት ካብ ኣልሑሲዪን ብሱዳን ዝወነን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክሰግሩ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ከም ዝርከቡ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣረጋጊጾም።
  3. ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መንግስቲ ኤርትራ ንነበርቲ ሓልሓል ምስ ዶብ ሱዳን ዝዳወብ ምዕራባዊ ባርካ ክግዕዙ ትእዛዝ ምምሕልላፉ ተሓቢሩ። እቶም ነበርቲ ነቲ ትእዛዝ ይነጽግዎ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ።
  4. ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንህዝባዊ ሰራዊት (ብዕቁር ሰራዊት) ዝፍለጥ ኣብ ፖሊስን ቀዋሚ ሰራዊትን ክጽንበር ዝተወሰነ ውሳኔ፡ ሓለፍቲ ዕቁር ሰራዊት እዚኣቶም ብዘይዝኾነ ገንዘብ ብሕልንኦም ንሃገር ዝከላኸሉ’ዮም ብዝብል ምክንያት ከም ዝነጸግዎ ተሓቢሩ።
  5. ካብ 21 ክሳብ 24 ሚያዝያ 2015 ዘሎ እዋን ብቀጥታ ንጉዳይ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝኸታተል ኮሎኔል ፍጹምን ሓላፊ ግንባር ጋሽ ባርካ ኮሎኔል ዮናስን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምክያዶም ተሓቢሩ። ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ሓድሽን ክፍላይን ዝበሃሉ ከምዝነበሩ፡ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ድማ ክልተ ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ተገሊጹ።
  • ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጠቕሊሎም ክጽንበሩ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐረበ ጉጅለ ነቲ ምጽንባር ኣትሪሩ ክደፍኣሉ ከሎ፡ እቶም ብተቓውምቲ ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን፡ ንሕና ኣብ ቃልሲ ንርከብ ሰውራ ኢና፡ ምስ ሰራዊትኩም ንጽንበረሉን ኣብ ቀዋሚ ዝኾነ መደበራት ንሰፍረሉን ብቁዕ ዝኾነ ምክንያት ኣይህሉን’ዩ፡ ናትኩም ሓገዝ ምስ ዘድልየና ከኣ ኣብ እዋኑ ባዕልና ክንሓተኩም ኢና ብዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዝነጸግዎ ተፈሊጡ።
  • ምስዚ ብምትእስሳር’ውን ካብ ውሽጢ’ቶም ተቓውምቲ ሰለይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ተረኺቦም ብምባል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ክልተ ሰባት ከተረኽቡና ኣለኩም ንዝብል ካብ ጉጅለ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንዝቐረበ ሕቶ’ውን እዚኦም ኢትዮጵያውያን ስለ ዝኾኑ ክንዲ ዝተኸፍለ ዋጋ ይኸፈል ኣሕሊፍና ኣይህብን ብዝብል ብትሪ ብድሕሪ ምንጻጎም እቲ ኣኼባ ብዘይገለ ስምምዕ ምብታኑ ምንጭታት ኤስደለ ይሕብሩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

06 ግንቦት 2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9612

Posted by on May 7 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net