News

ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣብ ከተማ ኣስመራ “ይኣክል” ዝብል ጽሑፍ ዘርጊሖም

ensf asmara flier t

ኣጋ ወጋሕታ ሰንበት ዕለት 07 ሰነ 2015 ኣብ ዝተፈላለየ ዞናታት ኣስመራ “ይኣክል ማለት ይኣክል እዩ” ዘርእስቱ ጽሑፍ ብሰፊሑ ከም ዝተዘርግሐ ተረጋጊጹ። እዚ ብብጾት ሓርበኛታት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ኣብ ዓበይቲ ጐደናታት ዋና ከተማናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ  ውሽጥን ከባብን ናይ ዝተፈላለየ ቤተ ክርስትያናታ ከም እንዳ-ማርያምን፣ እንዳ ገብሪኤልን፣ ገጀረትን ካተድራልን ካልኦት ቤተ ክርስትያናትን፡ ኣብ ውሽጥን ከባብን መስጊድ፡ ከም ፣መስጊድ ጃምዕን (ኹለፋእ ኣራሺድን)፣ መስጊድ ዑመር ኢብን ዓብዱልዓዚዝ (ኣዲስ ኣለም)፣ ካልኦት መሳጊድን፡ ከም ዝተዘርገሐን፡ ብዙሓት ከም ዘንበብዎን ተሓቢሩ። እዚ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘሰንበዶ ስርዓት ህግደፍ፡ ጸጥታዊ ኣካላቱ ኣዋፊሩ፣ ነቲ ብጻዕቂ ዝተበተነ ጽሑፍ ንክእክቡ ለኣኹም። ነዚ ብቐረባ ዝተመልከቱ ዜጋታት፡ መብዛሕትኦም ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጽሑፍ ርእይሞ ብምጽንሖም፣ ወፍሪ ምእካብ ጸጥታ ህግደፍ ብፍሽኽታ ከም ዝተኸታተልዎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ቃል ብቓሉ ከም ዝስዕብ ኢዩ፡-

 

“. . . ይኣክል ማለት ይኣክል እዩ !

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ናጻ ሃገሩ ዘሕልፎ ዘሎ ጸበባን መከራን ኣብ ካልእ ህዝቢ ዓለም ዘይተራእየ ኢዩ። እዛ ብንጹሕ ደምን ህይወትን ደቁ ናጻ ዝወጸት ሃገር ኣብ ክንዲ መዓርን ጸባን ዝምገበላ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ብሓጎስን ፍቕርን ዝነብረላ፡ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእት’ውን ብስም መራሒ ወድ ሃገር ንርብዒ ክፍለ-ዘመን ዝኣክል ዘሕልፎ ዘሎ ጭንቅን መከራን፡ ፍርሕን ራዕድን፡ ማእሰርትን ሞትን፡ ስደትን ህልቀትን ሕጅስ ሓቢርና ይኣክል ንበል !

ይኣክል ንበል ! ቅድሚ ብርሰትን ሕልፈትን ምብጻሕና፡ ሕጅስ ንተዓጠቕ፡ ሓቦ ንበል ! ነዚ ናይ ኣጋንንቲ ግዝኣት ሓግሒግና ደርቢና ንልበስ ሓቀኛ ካባ መንነትና፡ ንምለሶ ሓርበኛ ጅግንነትና፡ ንጎናጸፍ ሓበንና ኩርዓትና፡ ንምለሶ ህሩፍ ባህልና፡ ንጹህ ህዝብና ሓቦ ንበል ሓቢርና ንተዓጠቕ ልምድና። ነዚ እከይ ስርዓት ኣጋንንቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ምሒና ንደርብዮ። ኣብ ዕንወቱ ክንዕወት ኢና !

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ. . . . . . . . . . . . “.

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

07/06/2015   

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top