20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ አብ ከተማ ኰሎን/ጀርመን

ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ንመዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ንምኽባር አብቲ ዓመት-ዓመት ንህዝቢ ዘራኽበሉ አብ ሕምብርቲ ከተማ-ኰሎን ዝርከብ ፍሪደንስ-ፓርክ ነዚ ረዚን-ዕለት ብድምቀት ጸምቢሉ። አብ ናይታ ከተማ ገራብ-ሜዳ አብ ጎኒ‘ታ ብ2009 ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ብስም ሰማእታት ባዕሉ ዚተኸላ ካስታንያን ኦም (chestnut tree)ን ንዕኡ ንመዘክር ተተኺሉ ዘሎ መግለጺ ሰሌዳን ኣባላቱ አኪቡ ነዚ ዕለትን ሓዚልዎ ዘሎ ዕላማን ብዘርኢ ካብ ጸሎት (ብክልተ ዕላውያን ቋንቋታትና) ጀሚሩ ክሳዕ ዓመቝቲ መግለጺታትን ግጥምታትን ቀሪብሉ።

ብመሰረት ዝተሓላለኸ ኣተሃላልዋ ሃገርና ድማ ካብ ቀደም ብዝሰፍሓ ንሓድነት ህዝብናን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ሃገርናን ክንሰርሕ ዚምሕጸን መጸዋዕታታት ቀሪቡ። ብፍላይ አብ ዲያስፖራ ንእንርከብ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ንውድባትን ማሕበራትን ከአ ብፍላይ ብዝጠመተ ድማ ህዝብን ሃገርን ካባታትና ዚጽበዮም ዕላማታት ንምጽዓት ቅድምያታትና ከነተኻክልን ብሓድነት ክንሰርሕን ከም ዚግባእ ካብ ትሕዝቶ‘ቲ ዚቐረበ ሰንዳት ክጽሞቕ ተኻኢሉ።

አብዚ እቲ አብ ጽላል-ገረብ ሰማእታት ዚተኻየድ ስነ-ስርዓት ጽምብል ኣኽቲሙ።

ካብ ፍሪደንስ-ፓርክ ቀጺሉ ማሕበረተኛ ናብ‘ቲ ንምሸቱ ክኽየድ ተመዲቡ ዚነበረ ማእከል ተጓዒዙ። ናብ‘ዚ ማእከል ድማ ክሳብ ኣስታት ፍርቂ-ለይቲ ቀጺሉ። አብኡ ከአ ገዳይም ኤርትራዊ ስድራታትን ሓደስቲ ምጻእ መንእሰያትን ተሞክሮታቶምን ትጽቢታቶምን ዚንጻባረቐሉ ዕላላት ብቐጻሊ አምስዩ።

ንኣባላትን ኣጋይሾምን ተዳልዩ ዚነበረ ናይ መስተን ግሪል/ጥብሳ-ስጋን እንግዶት ከምኡ ናይ ጀበና/ቡን ስነ-ስርዓት ንውቁብነት ናይ‘ዚ መዓልትን ንስጥመት ማሕበረ-ሰብ ኰሎንን ከባቢአን ሕሪሕራይ ጌይሩ ኣንጸባሪቕዎ። በዚ ከአ ህዝበይ አብ ዓወት ተባሃሂላን ተመሳጊናን ነናብ ዚመጸትሉ ቦታ ተፋንያ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9707

Posted by on Jun 23 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net