ኣገዳሲ ሓበሬታን መጠንቀቕታን
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ብሰንኪ ህግደፍ ትሳቐዩ ዘለኩም ደቂ-ሃገር
ህግደፍ እዋን ዕራርቦኡ ቀሪቡ ብውሽጥን ደገን ኣብ ዝሰሓገሉ ዘሎ ግዜ ንሕና’ውን ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓቕምታትና ብዘፍቅዶ ክንሰርሖ ዝጸናሕና ንኣሽቱ ጸረ ህግደፍ ስርሒታት ኣበራቲዕና ሎሚ ህግደፍን ተሓባበርቱን በብሓደ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ንህቦም ምህላውና ንሕብር። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ተወፋይነትን ጅግንነትን ዝተሓወሶ ሰውራዊ ስርሒታት ንምጥቃሱ ዝኣኽል፡-
ብ04/06/2015 ካብ ከሰላ ንመደበር ስደተኛታት ሸገራብ ልዕሊ 50 ስደተኛታት ብመኪና ናይ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር እናኸዱ ከለዉ እቶም ደም ሰብ ዘይብሎም ነጋዶ ሰብ ን5 ደቂ ኣንስትዮን 9 ደቂ ተባዕትዮን ብኣስማቶም እናጸውዑ ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣበይ ከምዝወስድዎም ዛጊት ኣይተፈልጠን። ደባይ ኣሃዱና ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸረ ህዝቢ ስራሓት ዝተዋፈሩ ኣካላት ተጻናትዩ ኣብ ዘይገመትዎ ግዜን ቦታን ሰኑይ ብ08/06/2015 ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ወሲዱ። ኣብቲ ዝተወስደ ስጉምቲ መቕጻዕቲ፡ መራሒ ናይቶም ጉጅለ ነጋዶ ሰብ ሰሊም ሓምዳን (ኣል-ኣስወድ) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ምስ ክልተ ብጾቱ ተቐቲሎም እቶም ዝተረፉ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ በቲ ፋሕ ኢሎሞ ዘለዉ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ስራሓት ዳግማይ ከይዋፈሩ ነጠንቅቕ።
ብድሕር’ዚ ኣብ ካልእ ውራይ ዝወፈረ ጅግና ኣሃዱና ብ14/06/2015 ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድሚ ሕጂ መጠንቀቕታ ተላኢኹሉ ዝነበረ ዕሉል ጸረ ህዝቢ ብዑመር ዋርሳይ ዝፍለጥ መራሒ ጉጅለ ስለያ ህግደፍ መጥቃዕቲ ወሲዱ ዑመር ዋርሳይን ሓኪም ናይቲ ጉጅለን ክሞቱ ከለዉ እቶም ካልኦት እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ተበቲኖም ኣለዉ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሰደሉ ቦታ ኣብ ሻከት ርግባት ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጉሉጅ’ዩ ተፈጺሙ። እቲ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ጉጅለ ስለያ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ከምቲ ዝለመዶ ጸረ ህዝቢ ስራሓት ምስ ዝቕጽል ምሕረት ዘይግበረሉ ምዃና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ።
በዚ ዝተጠቕሰ ስርሒት ተተባቢዑ ናብ ካልእ ቦታ ዝወፈረ ጅግና ኣሃዱና ብ23/06/2015 ኣብ መንጎ ፋንኮን ተሰነይን ኣብ ልዕሊ ዓባይ መኪና ናይ ንግዲ ህግደፍ ብጸላኢ ዘይተሓሰበ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብድሕሪ ምውሳዱ፡ እታ ዓባይ መኪና ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይና ኣላ። እቲ ነዚ ጅግንነታዊ ስርሒት ዘካየደ ኣሃዱና ብሰላም ናብቲ ተበገሰሉ መደብ ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ ንንጹሃት ዜጋታት ኣብ ሽግር እናኣእተወ ንባዕሉ ናብርኡ ከጣጥሕ ዝጸንሐ ሓደ ካብቶም ሓለፍቲ ናይ ዕጡቕ ሰራዊት ህግደፍ ብዙሕ ግዜ’ኳ ብተዘዋዋሪ ከነጠንቕቖ እንተጸናሕና ካብ እከይ ተግባራቱ ክቑጠብ ስለ ዘይመረጸ ብ04/07/2015 ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ማእከል ገሉጅ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ መጥቃዕቲ ኣካይድና ገዝኡን ንብረቱን ብሙሉኡ ኣብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሩ ኣሎ። እዚ ብሓምዲ (ኣሞረ) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጸረ ህዝቢ’ዚ ንብረቱ’ኳ እንተተቓጸለ ንሱ ግን ኣጋጣሚ ኣብ ኣዳል ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሓደ መርዓ ስለዘምሰየ ንግዝኡ ካብቲ ተዋዲዱሉ ዝነበረ መጥቃዕቲ ድሒኑ ኣሎ። ሓምዲ ካብቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ርኡይ ንስሓ እንተዘይጌሩን ነቲ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ይቕረ እንተዘይኢሉን ክንምሕሮ ከምዘይኮንና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንገልጽ ንፈቱ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፌስ-ቡክን ብካልእ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተፈላለየ ንኣሽቱ ስርሒታትና ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ብዙሕ ደላይ ዓወት ወገንና’ውን መን ኢኹም ንገሩና ብዓቕምና ክንሕግዘኩም ኢና እናበሉ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ነቶም ኩሉኹም ብምንቅስቓስና ተሓጒስኩም ዘበራታዕኩሙና ምስግና እናኣቕረብና ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ነውጽኦ መግለጺታት ክትከታተሉ ድማ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ
ሞት ንስርዓት ህግደፍ
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
10/07/2015
Short URL: https://english.farajat.net/?p=9766