ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር 2015

eudc
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዚ ክቡር ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ዒድ ኣልፈጥር 2015 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዒድ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ብልጽግና፡ ምክብባርን ምድግጋፍን ክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።
ዒድ ኣልፈጥር 2015 ኣብ ነብዕለሉ ዘለና ህሞት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብግዝኣተ ሕግን ሰናይ ምምሕዳርን ዘይኮነስ፡ ብራዕድን ሽበራን ይመሓደር ምህላዉ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንጸባራቂ ጭርሖታት ሃገራዊ ነጻነትን ልዕላውነትን ተጎልቢቡ፡ ን24 ዓመት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣሰቓቂ ግፍዕታትን ብምፍጻሙ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝንጸረሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ብሓፈሽኡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኩሉ-መዳያዊ ግህሰታቱን ግፍዕታቱን ቆላሕታን ምድንጋጽን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ነብዕሎ ምህላውና የመልክት። እዚ ውድዕነት’ዚ ብርግጽ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ብድሕሪኡ እንታይ’ዩ ክግበር ዘለዎ ብምባል ሓላፍነቶም ክብ ከብሉ ይግባእ።
ኣብ ኤርትራዊ መዳይ ምስ ንዕዘብ ገና እቶም ሓንጎሎም ተደፊኑ ዓይኖም እናረኣየ ዝዓወሩ፡ እዝኖም እናሰምዐ ዝጸመሙ፡ ምስ ሕልንኦም ከይተረፈ ምትዕራቕ ዝሰኣኑ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብቀረባ ወጽዓታት ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምኽሓድ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ህዝቦም ደው ምባል ፖሎቲካዊ ስልጣንን ረብሓታትን ጸቢብ ጉጅለ ክናውሕ ዝመነዩ፡ ኣዝዩ ድኹም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጽሉ ግዜ’ዩ። ብኣንጻሩ ድማ ነድርታትን ቁጠዐታትን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ግዳይ ናይቲ እከይን ጨካንን ስርዓት ኮይኖም ክንደይ ሓደገኛ በረኻታት፡ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ሰጊሮም ክስደዱ ዝተገደዱ መንእሰያት ገንፊሉ ማዕበል ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ጀኔቭ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተጋህደሉ ህሞት ብምዃኑ ተስፋ ዘስንቕ ክውንነት ምዃኑ ይሕብር። ብሓጺሩ ህዝብና ኣብዚ 24 ናይ ነጻነት ዓመታት ካብ ግዜ ንግዜ ብተሞክሮኡ ንቅሓቱ እናበረኸ መጺኡ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ሃንቐውታ ኤርትራን ህዝባን ዘይውክል ብምዃኑ፡ ብግብሪ ፎእ እናተባህለ መጺኡ ናብ ዝተፈንፈነሉ ብርኪ በጺሑ ምህላዉ ብድፍረት ምዝራብ ይኸኣል’ዩ።
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ቆላሕታ ክገብር ብርቱዕ ጻዕርታት ንዝገበሩ ምሁራት፡ መርማሪ ኮምሽን ነጻ ኮይኑ ኣብ ውድዕነት ዝተሞርኮሰ ሓቀኛ ጸብጻብ ምቕራቡ፡ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማዕበል ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዘወሃሃዱ፡ ኩሉ ግዚኦምን ገንዘቦምን ከይበቐቑ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝተሳተፉ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ደጊሙ ዝለዓለ ምስጋንኡ የቕርብ። በዚ ክቡር ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ካብቲ ስርዓት ዝኾነ ይኹን ረብሓታት ዘይብሎም ኮይኑ ግን ምስኡ ተሰሊፎም ዝርከቡ ደገፍቱ፡ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከየርከቦም ከሎ ደጊሞም ደጋጊሞም ሕልንኦም ክምርምሩ: ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ኣብ ጎኒ’ቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ምስ ዝብሉ፡ ሰብን ፈጣርን ዝፈትዎ ተግባር ብምዃኑ ኩሉ መዳያዊ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ መጸዋዕትኡ የቕርብ።
ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር 2015
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
16 ሓምለ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9786

Posted by on Jul 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net