ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም

ብ\ ወድ ዓድ
ካብ ስደት
07 September 2015

ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = = = = = = = = = =
ህልቂት ኣብ ማሕቡስ ህልቂት ኣብ በረኻ
ኣልግሶ ንህግደፍ ምእንቲ ድሕነት ህዝብኻ
ተለዓል ሓቦ ግበር ሸጥ ኣብሎ ዝናርካ
ስመር ኣይትፈላለ ዘክር ታሪኽ ኣቦታትካ
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ኣይግድን ስቅ ምባል ኣብ ቅድሚ ህልቂት ወለዶኻ
ውዒሉ ሓዲሩ ንስኻውን ኣይክትድሕንን ኢኻ
እንታይ ገደሰኒ ኣይትበል ክሳብ ዝመጽእ ተራኻ
ሎሚ ንዖኦም ጽባሕ ከኣ ንዓኻ
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
መዓስ ኮን ይውዳእ እዚ ናትና ባእሲ
ሕማም ናተይ ናትካ ዘይርከቦ ፈውሲ
ኣይርዳናን ድዩ ህዝብና ከም ንሃሲ
ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ኣብ ግዳም ኣብ ከርሲ
ተላዚብና ንቦንቁሶ ካብ ሱሩ ንናይ ምፍልላይ ፈልሲ
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ህዝብናን ክሳቀ ብናይ ህግደፍ ጮግራፍ
ሃየ ንበራበር ክንዛዝሞ ናይ ጭንቅና ምዕራፍ
ኣብ ግብሪ ይተርጎም ይትረፈና ፈኸራ ፣ ጃህራ ፣ ዘራፍ
ህግደፍ ብሓይሊ ንእለዮ ኣይፈልጥን’ዩ እንተላይ ሙኽራፍ
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ዋይ ደቂ ኤርትራ ዘይርኹብ ረኺብና
ባዕልና ብዘዕበናዮ ኵስኲስና ሓብሒብና
እነሆ ብተንኮላቱን ብናይ ክፍኣቱ ሓዊ ኩላትና ተለብሊብና
ኣብ ክንዲ ብስምዒት ሃገር ብጥቕሚ ውድባትናን ማሕበራትናን ሰኺርና
= = = = = = = = = = = = = = =

ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ደቅና ይሞቱ ሰማዒ ዘይብሎም
ኣብ ምድረበዳ ኣብ ባሕሪ መላስ ኣውያት ዘይብሎም
ዓዲ መሪርዎም ይወጹ’ለዉ ምስ ጸበበ ዓቅሎም
ናብ ዝረኸብዎ ማእዘን ብዘይ ሸቶ ይሃድሙ’ለዉ ሃጽ ኢሎም
ሃየ ንህግደፍ ኣብ ቅርዓት ነቃልዕ ተንኮሎም
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ኣንቱም ተቃወምቲ ኣምበርዶ ኣሎና
ሃየ ተላዓሉ ኣጆኹም ኣጆና
ሃየ ነርክብ ከይጸነተ ህዝብና ከይበረሰ ዑናና
ሃየ’ባ ነርክብ ከይፈረሰ ህድሞና
ሃየ’ባ ንላዓል ከይተዘርገ ዳስና ከይተበተነ ባይቶና
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =
ብዙሓት ባሕሪ ውሒጥዎም ብደይ መላስ ኣውያት
ፋሕ ኢልና ከም ደቂ ዛግራ ነይሩና ድዩ ሓጥያት
መጣቃዕቲ’ለዉና ዘየሕዝኖም ናይ ህዝቦም ስቅያት
የቆናጽቡን ይዝልፉን ንናይ ህግደፍ ግዳያት
= = = = = = = = = = = = = = =
ብኣማኢት ሞይቶም ሰማዒ ዘይብሎም
ኢደይ ኢድካ ኢልና ህግደፍ ንገልሎም
= = = = = = = = = =

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ
ራህዋኺ ቀሪቡ’ሎ
ወድ ኣፎም ክዕሎ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9911

Posted by on Sep 7 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net