ቃል መሪር ሓዘን !!

Date: 02/10/2015

ahmed mohamed ibrahim
ገዲም ጅግና ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ኢብራሂም (ኣሕመድ ፍሩም )ብዓርቢ ዕለት 02.10.2015 ብዝወረዶ ሕማም ምኽንያት፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና። ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣ ከኣ ኣብ ”ሑስነል ኻቲማ” ዝተባህለ ኣብ ካላክላ ዝርከብ መቓብር ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ተጋዳላይ ኣሕመድ ፍሩም ብ 1947 ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ/ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተወሊዱ። መበእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ከረን ድሕሪ ምቕስም፣ ናብ ሱዳን ብ1964 ተሰዲዱ ነቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣባልነት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ኣብ ሱዳን ቀጸሎ። ኣብ 1967 ሃገራዊ ግቡኡ ንምብርካት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንክቃለስ ተሰሊፉ ። ብ1969 ኣብ ሶርያ፣ ወትሃድራዊ ስልጣና ወሲዱ። ቀጺሉ ኣብ 1970 ንክልተ ዓመት ዝወሰደ ወትሃድራዊ ትምህርቲ ኣብ ዒራቕ ኣጠናቒቑ። ትምህርቱ ምስ ወደአ ድማ ቀጥታ ናብ ሜዳ ብምምላሱ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘመዝገበ ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ዋሕዚ ምስላፍ ተጋደልቲ ኣብ ሰውራ ምስ ተራእየ፣ ጅግና ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ምስ ብጻዩ ተጋዳላይ ዓብዱ ዓብደላ ሓላፍነት ምልመላ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ተዋሂብዎም ብዓቢ ቕያ ከም ዘሰላሰልዎ ዝተፈልጠ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ’ቲ ግዜ ኣብ ሪብዳ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝቐሰሙ ተጋደልቲ፥ ንጅግና ኣሕመድ ፍሩም፥ ብትብዓቱን ቆራጽነቱን ከምኡ’ውን ተዋዛያይ ብምንባሩን ወትሩ ምስ ዘከርዎ ኢዮም።

ሓርበኛ ኣሕመድ ፍሩም ምቕሉልን፥ ምስ ክሎም ኤርትራውያን፣ መበቆሊኦምን ማሕበራዊ እንታይነቶምን ብዘይገድስ፣ ሕውሱን፣ ቀጥታ ምስ ፈለጥካዮ ኣብ ልብኻ ዝኣቱ ሰብን ኢዩ ነይሩ። ኣሕመድ ፍሩም ምስ በዓልቲ ቤቱ ንዕማት ሳልሕ ኢብራሂም 3 ኣወዳትን 3 ኣዋልድን ሓድጊ ገዲፉ ኢዩ።

ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ንኩሉም ኣሕዋቱን ስድራ ቤቱን ብፍላይ ድማ ንሓዉ ተጋዳላይ ዑመር መሓመድን፣ ከምኡ’ውን ንኹሎም ተቓለስቲ ኤርትራውያን ጽንዓት ይሃበና፡ ንመዋቲ ድማ ናብ ጀና የብሎ። ነቲ ምሉእ ህይወቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ክሳብ ነብጽሑ ቃልስና ከይተሓለልና ክንቅጽሎ ምዃንና ቃልና ነሕድስ።

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9951

Posted by on Oct 4 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ቃል መሪር ሓዘን !!”

  1. ተስፋዓለም

    ብመጀመርታ ጽንዓት ንስድራበቱ። ንእሕመድ ፍሩም ድማ መንግስቲ ሰማያት የዋርሶ።

    ኣሕመድ ፍሩም ሓደ ካብቶም ቁኑዑን ሓቀኛ ተቃላሳይ ምንባሩ ብማንም ተጋዳላይ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ ሓወይ ወዲ ዓደይ ወገነይ ዘይጥቅዖ ሰብ ኢዩ ነሩ። ከምዚ ሕጂ ንርኢዮ ዘለና ምጉጂጃል ኣንታይ ኮን ይብል ነሩ ይኾወን።

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net