ናብ ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤሃባዲለ

encdc

ናብ ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ኤሃባዲለ

ናብ ኣቦ ወንበር ባይቶ ኤሃባዲለ

ናብ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ኤሃባዲለ

 

ድሕሪ ዕዙዝ ሰላምታ

 

ትማሊ ቀዳም ዕለት 31.10.2015 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ንምዝታይ ካብ ኩሉ ነበርቲ ከተማታት ጀርመን ዝተሳተፉዎ ኣኼባ ኣባላት ባይቶ ተኻይዱ።

ነዚ ኣኼባዚ ንምጽዋዕ ዕቱብ ተበግሶ ናይ ግዱሳት ኣባላት ኢዩ ነይሩ። መኽንያቱ ከኣ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ደውታ ናይ ኣመራርሓ ባይቶ ንመሰረታዊ ስርዒታት ናይ ባይቶ’ውን ለኪሙዎ፡ እንታይኮን ይገብሩ እናበለ ናይ ተጸባዪ ግደ ሒዙ ክኸዶ ዝጸንሐ መንገድን ዓቕልን ስለዝጸንቀቐ፡ ብሓባር ተራኺቡ ስለምንታይ’ዩ እቲ እንኮ መዋጽኦ ኢልና ዝሰራሕናዮ፡ እቶም ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ናይ ሓላፍነት ሓደራ ዝሃብናዮም ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ክወርዱ ኪኢሎም፡ ኣብዝብል ዛዕባ ተዛትዩ፣ ካብ’ዚ ደውታ’ዚ ወጺእካ ነቲ ብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ዝተገብረሉ ናብ ራህዋ ዘሰጋግር መንገዲ ኢልና ዝኣመናሉን ዝተቐበልናዮን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ፍታሓት ንምንዳይ ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።

መሪሕነት ባይቶ ንውሳኔታት ጉባኤ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ንምግባር ክሳብ ዳግማይ ጉባኤ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተሰከመ  ኣካል ምዃኑ ኩልና እንርድኦ ሓቂ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ዕድመ ናይ ጉባኤ በቲ ኣብ ጉባኤ ዝተወሰነሉ ኣብቂዑ እንከሎ፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደውታ በጺሑ እናሃለወ ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ንኣባላቱን ሰዓብቱን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ፍታሕ ዝጽበ ዘሉ ሓፋሽ ህዝብና ከምዘጉሃየን እምነቱ ከምዝሰሓበን ክዝከር ይግባእ። ንሕና ኣባላትን ደገፍትን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብዘይካቲ ኣብ ቃልዕ ወይ መዲያ በቢሸነኽኩም እተቃልሕዎ ውሽጣዊ ሽግራትኩም፥ ብግሉጽ ብስርዒታዊ ኣገባብ ዝመጸና ደቂቕ ሓበሬታ ስለዘየለ፡ ብዛዕባ ቀንዲ ዝፈላልን ኣብ ደውታ ዘብጸሓኩም ነጥብታትን ኣልዒልና ክንዛረብ ዘኽእል ዕድል የብልናን። እዚ ስርዒታዊ ገመድ ምብታኹ ዘኸተሎ ሳዕቤናት፥ እቲ ስልጣን ዝሃበኩም ኣባልኩምን ደጋፊኹምን ሽግራት ኣብዘጋጥምሉ እዋናት ብኣግኡ ንምእራሞምን ንምፍትሖምን ሓሳባቱን ርእይትኡን ንኸይገልጽ ጸሚዶም ሒዞሞ ዘለዎ ካልእ መጻውራት ኢዮም።

ናይዚ ሎሚ ተሳታፊ ኣኼባ ካብዚ ሲዒቡ ዝቀርብ ሓቅታት ምርኩስ ብምግባር ፣

  • መሪሕነት ባይቶ ንውሳኔታት ባይቶ ተግባራዊ ንምግባር ስልጣኑ ካብ ጉባኤ ክሳብ ጉባኤ ጥራይ ምዃኑ ብምእማን፥
  • መሪሕነት ባይቶ ኣብ እዋን ስልጣኑ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሓደጋ ምስዝወድቕ፡ ንምድሓኑ እውን ምስዘይከኣሎ ስልጣኑ ነቲ ዝሃቦ ኣካል (ዝለዓለ ስልጣን ጉባኤ) ከረክቦ ግዴታ ከምዘለዎ ብምእማን፥

እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፈልኩም።

ነዞም ልዒሎም ዘለዉ ነጥብታት ግምት ሂቡ ሓላፍነታዊ ግዴታኡ ንምግባር ብስምምዕን ሓድግታት ብምግባርን ንዘሎ ውሽጣዊ ሽግራቱ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ወጊኑ ኣብ ጉባኤ ከእትወና ብምረት ንጽውዕ።

 

እዚ ምስዘይግበር ግን ንድሕነት ናይ’ቲ መዋጽኦ ኢዩ ኢልና ዝኣመናሉን ዝተቐበልናዮን ናይ ቃልሲ ትካል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ  ለውጢ ፥ ምስ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዘለዉ ኣካላት ሃገራዊ ባይቶ ብምልዛብ ኣማራጺ ንጉባኤ ዘእትወና መንገዲ ክንደሊ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ።

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሃገረ ጀርመን

ዕለት 1.11.2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9990

Posted by on Nov 17 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net