News

ቃል መሪር ሓዘን !!

Date: 02/12/2015

ቃል መሪር ሓዘን !!

sultan-olwanጅግና ተቓላሳይ ሱልጣን ዓብዱ ዕልዋን ብሰሉስ ዕለት 01.12.2015 ብሃንደበታዊ ሕማም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና። ብኡ ንብኡ ድማ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

 

ብጻይና ሱልጣን ብ 1963 ኣብ ከተማ ጸሮና – ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተወሊዱ። ኣብ ዕሸል ዕድሜኡ ኣብ መወዳእታ 1977 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንክቃለስ ተሰሊፉ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ሃገራዊ ግቡኡ ኣብ ምፍጻም ዝጸንሐ ተባዕ ተቓላሳይ ምዃኑ ይፍለጥ። ብጻይ ሱልጣን ኣብ 2000  ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ውድብና ተሓኤ- ሰውራዊ ባይቶ ብረት ኣዕጢቑ ናብ ሜዳ ዘሰለፎም ምዑታት ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነበረ። ቀጺሉ ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣብ ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ቀጸሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቐየረ’ውን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ናይ ቃልሲ እጃሙ ካብ ምብራካት ዓዲ ኣይወዓለን።   

 

ብጻይ ሱልጣን ዓብዱ ዕልዋን ምቕሉልን፥ ንብጾቱ ዘኽብርን ብሰውራዊ ጣባያት ዝልለን  ሓርበኛ ተቓላሳይ ምንባሩ ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ብጻይና ሱልጣን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ቆልዓን ኢዩ።

 

ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱ  ወ/ሮ ሩማናን ንጓሉ ወ/ሪት ኢማንን ንኩሉም ኣሕዋቱን ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን ንኹሎም ተቓለስቲ ብጾቱ ጽንዓት ይሃበና፡ ንመዋቲ ድማ ናብ ጀና የብሎ። ነቲ ምሉእ ህይወቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ክሳብ ነብጽሑ ቃልስና ከይተሓለልና ክንቅጽሎ ምዃንና ድማ ቃልና ነሕድስ።

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top