ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ጀርመን።

20 የካቲት 2016

ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል ግሃድኤ – ሕድሪ ብጻይ ዕቕባዝጊ ድቡስ፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፉርት ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣባል ፈጻሚት ኣካል ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ግሃድኤ – ሕድሪ ብጻይ ፍሰሃጽየን ገብረ፡ ብጾት ኣባላት ኣመራረሓ ባይቶ ኣብረሃም እያሱ፡ ማሕሙድ ዕላጅ፡ ከምኡውን ኣብረሃም ተስፋገርግስን ብኣካል እተረኽቡሉ ሰፊሕ ኣኼባ ኮይኑ፡ ኣህጉራውን ዞናውን ብፍላይ ድማ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሂይወትን ኣብ ግምት ዘእተወ እዋናውን ኣገዳስን ህዝባዊ ኣኼባ ምንባሩ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር።

ሓፈሻውን ውድባውን ጉዳያት መብርሂታት ድሕሪ ምክያድ ኣብ ሞንጎ ሽዱሽተ ውድባት ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ናብ ሓድነት ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን ድማ ሓፈሻዊ መብርሂ ተዋሂብሉ። ብድሕሪኡ መድረኽ ንተሳተፍቲ ዕድል ብምሃብ ግሉጽን ምሃሪን ዝኾነ ሕቶን መልስን ዝተኻየደሉ ሰፊሕ አኼባ ምንባሩ ተሓቢሩ። ካብቲ ብተሳተፍቲ ዝቐረበ ሕቶታት፦

1ይ ሓይሊ መንእሰይ ዘቃልሶ ስኢኑ እናጠፍአ ስለምንታይ ኢኹም ፍልልያትኩም ኣወዚፍኩም ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምውዳቕ ኣብ ሓድነት ዘይትጽመዱ?

2ይ ንሕና ንዛረብ ዘሎና ብዛዕባ ሓፈሻዊ ደምበ ተቓውሞ እዩ። ስለ ምንታይ ሰልፊ ኣቝምና ህዝቢ ክዓስለና ዘይንገብር። ካልእ ንኹሉ ክብጻሕ ሕቶ ቁጠባ ክንፈትሕ ዘይንሰርሕ? ወ.ዘ.ተ.

 

ዝብሉን ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ሃገራውን ዞናውን ኩነታት ዝምልከት ሕቶታት ምንባሮም ተገሊጹ።

 

ዕቱብ መብርህን ናይ ሕቶታቶም መልስታትን ከምዝተዋህቦም፡ ብምሉእ ዕግበትን ብዓቢ ሃገራዊ ፍናንን ከኣ ኣኼባ ከምዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና የረጋግጽ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

ለካቲት 22/2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10161

Posted by on Feb 26 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net