መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ሰልፊ ማሕበረ-ዲሞክራሲ ጀርመን ኣገዳሲ ርክብ ኣካይዱ

ensf german feb 2016 25

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ  ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ መሪሕነት ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኡርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 25/02/2016 ምስ ዓቢ በዓል መዚ ሰልፊ ማሕበረ-ዲሞክራሲ ጀርመን (SPD) ኣገዳሲ ርክብ ከም ዘካየደ ካብ ከተማ በርሊን ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ። ብጾት ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን፣ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታትን ዝሓቖፈ ላዕላዋይ ልኡኽ ግሃድኤ  ኣብ ዋና ከተማ ጀርመን፣ ምስ ኣቶ ዩልያን ክራውዘ ( Julien Krause)ኣባል መሪሕነት ሰልፊ – ክፍሊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብምርኻብ ሰፊሕን ሃናጽን ዝርርብ ኣካይዱ። ልኡኽ ግሃድኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፣  ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምንጋፍ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፣ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓትን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን፣ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእስያትና ድማ ብፍላይ፣ ኣደዳ ስደትን መከራን ኮይኖም ምህላዎም ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዘቕረበ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ። ኣቶ ዩልያን ብወገኑ፣ ሓደ ካብ’ቶም ንኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝበጽሑ ብምዃኑ፣ ኩነታት ኤርትራ ብደቒቅ ስለ ዝከታተልን፣ ኣብ’ቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብግሉጽ ክዝቲ ከም ዘኽኣሉ ተፈሊጡ። ኩነታት ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕን ስቅያትን ብደቒ እናተፈልጠ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንስርዓት ህግደፍ ገንዘባዊ ሓገዝ ከቕርብ ምውሳኑ ዘይቅቡል ነገር ኢዩ ክብል ልኡኽ ግሃድኤ ብትሪ ገሊጹ። ጀርመናዊ በዓል መዚ፣ ኣቐዲሙ ነቲ ስርዓት ብምንጻል መርሆኡ ክቕየር ተፈቲኑ ስለ ዘይተዓወተ፣ገለ ሓገዛት ብምቕራብ’ውን ኣክይድኡ ንክቕይር ዘሎ ዕድል ኣዚዩ ጸቢብ ምዃኑ ዳርጋ ዝተፈልጠ’ኳ እንተኾነ፣ እዚ ሓገዝ ከም መፈተኒ ዝተወሰነ ኢዩ ክብል ከም ዝገለጸ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ቀጺሉ ኣቶ ክራውዘ፡ ፍታሕ ጸገማት ኤርትራ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወድቕ ሓላፍነት ደኣ’ምበር፡ ብኢድ ካልኦት ሃገራት ዝረጋገጽ ከም ዘይኮን ድሕሪ ምግላጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ተላዒሉን ቅኑዕ ስትራተጂ ቃልሲ እንተ ተሊሙን፣ ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምስግጋር ዘሎ መድረኽ ብሰለማውን ምርድዳእን ኣገባብ ንክፍጸም ዘብቅዕ ዘተኣማምን መደባት እንተ ሓንጺጹን፣ ካብ መንግስትታትን መሕበረ ሰብ ዓለምን ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የልብሉን ክብል ገሊጹ። ቀጺሉ፣ ጉዳይ ኤርትራ ብቐዳምነት ንህዝቢ ኤርትራ’ኳ ዝምልከት እንተኾነ፣ ምርግጋእን ቅሳነትን ኤርትራ ንዞናን ዓለምን ብኣውንታ ይኹን ብኣሉታ ብዓቢ ደረጃ ከም ዝጸልዎ ብምርግጋጽ፣ ዓቢ ኣቓልቦ ዓለም ከም ዘለዎ፣ ኣቶ ክራውዘ ኣረጋጊጹ።      

 

መንግስቲ ጀርመን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብምቕባሉን፣ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪቱ ባይቶ ጀርመን ዓሚቚን ንነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደን ወግዓዊ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ፣ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተሪር ነቕፌታ ብምቕራብ፣ ብውድብናን ብተቓላሳይ ህዝብናን ዓቢ መጎስን ናእዳን ዝረኸበ ጉዳይ ምንባሩ ልኡኽ ግሃድኤ ሓቢሩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ህግደፍ ክሳብ ዝሃለወት፣ ብገለ ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ሰደተኛት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ዝግበር ዘሎ ፈተናታት ኣዚዩ ሓደገኛ ውሳኔ ምዃኑ ልኡኽ ግሃድኤ ኣብ ርእሲ ምግላጹ፣ ጠንቂ ስደት ፖለቲካዊ ደኣ’ምበር ካልእ ምኽንያታት ከም ዘይብሉ ከም ዘብረሀ ተፈሊጡ። ኩሎም ሃገራት ኤውሮጳ ንጉዳይ ስደተኛታትን ስደትን ኣብ ኤርትራ በዚ ዓይኒ’ዚ ክጥምትዎ መሪሕነት ግሃድኤ ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

25/02/2016

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10178

Posted by on Feb 26 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net