ዕዉት ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ግሃድኤ ንሃገር ጀርመን

ensf baner

ብዶር. ሃብተ ተስፋማርያም  ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን፣ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ዝቖመ ላዕላዋይ መሪሕነታዊ  ልኡኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዕለት 25/02/2016 ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን በርሊን ምስ ሓላፊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት  ጀርመን ብምርኻብ ሃናጺ ልዝብ ከም ዘካየደ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ርኽክብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን፣ ብደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን፣ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣመላኽታ ጀርመንን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞናና ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪን ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ዞናን ዓለምን ከስዕቡ ዝኽእል ኣስጋኢ ኩነታትን ዘጠቓለለ ዝርርብ ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ሃገርናን ህዝብናን ብዝምልከት ርጡብ ሓበሬታ ብምቕራብ፣ ህዝብና ብሰንኪ ጨቋኒ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ኩነታት ከምዘሎን መንእሰያትና ብቐጻሊ ናብ ስደት ይውሕዙ ከምዘለዉን፡ ልኡኽ ግሃድኤ ብዓሚቕ  ትንተና ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ።

 

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ናብ ኤውሮጳን ካልእ ኩርናዓት ዓለምን ብዝምልከት፣ ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ መንግስትን ህዝብን ጀርመን ዘርኣዩ ዓቢ ተጋዳስነትን ምትሕብባርን፡ ልኡኽ ግሃድኤ ዓቢ ምስጋና ኣቕሪቡ።   

 

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሸን ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ባይቶን መንግስትን ሰልፍታትን  ከምዉን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ጀርመን፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ናይ ጭንቅን መከራን ኩነታት ተገንዚቦም ዘርኣይዎ ሰናይ መርገጽ፡ ልኡኽ ግሃድኤ ልዑል መጎስ ኣቕሪቡ።

 

ብጉዳይ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ናብ ኤርትራ፣ መበጊስኡ’ኳ ጽቡቕ ድልየትን ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ንምግልጋል ዝሓለነ እንተነበረ፣  እንተኾነ ግን ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ጽቡቕ ገይሩ ንዝፈልጥ፣ ከም’ዚ ዓይነት ሰናይ ተበግሶታት ክዕወት ከም ዘይክእልን፣ እዚ ዓመጸኛ ስርዓት’ዚ ዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ውጥንን (Project) መደባትን  ክዕወት ድልየት ከምዘይብሉን፣ ብኣንጻሩ ደኣ እቲ ብሕብረተ ኤዉሮጳ ንዝተፋላለየ  ውጥናት ንኸገልግል ተወሲኑ ዘሎ ናይ 200 ሚልዮን ኤዉሮ ሓገዝ፣ ብጥረ ገንዘብ ተዋሂቡ ናብ ናቱ ጥቕሚ ንከዉዕሎ ዝገብሮ  ዘሎ ፈተነ ክፍሸል ከም ዝግበኡ መሪሕነታዊ ልኡኽ ግሃድኤ ተሪር ምሕጽንታ ከም ዘቕረበ ተፈሊጡ።

 

ሽግር ኤርትራን ኩነታት ህዝብናን ኣብዚ ሓደገኛ ደረጃ  ምብጽሑ ቀንዲ ምኽንያት  ልቦ ሕግን ፍትሕን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ ደኣ’ምበር ምጣኔ ሃብታዊ ጸገማት ዘንቀሎ ሃለዋት ከምዘይኮነን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግጭት ኣብ መንጎ ምልካዊ ምሕደራን ኣብ መንጎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ዘሎ ህዝብን ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ህዝብና ዘማዕድዎ ዘሎ ለውጢ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ብምጣነ-ሃብታዊ ሓገዛት ዝተሰነየ ንክኸውን፣ ልኡኽ ግሃድኤ፣ መንግስቲ ጀርመን፣ ንዲሞክራስያውያን ሓይልታት ፖለቲካዊ  ምትሕብባርን ደገፍን  ከበርክትን፣ ናብ ሃገር ጀርመን ዝዉሕዙ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያትና፡ንመጻኢ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዝምድና ጥዑይ ባይታ ንምጥጣሕ ብጽቡቕ ድልየትን ኣገባብን ንክትሓዙን፣ ልኡኽ ግሃድኤ ተላቢዩ። ብወገን መንግስቲ ጀርመን ይኹን ብሕብረተ ኤዉሮጳ፥ ከም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘካይድዎ ፖለቲካዊ ዘተ፡ ብማዕርኡ ከኣ ምስ ተቓዉሞ ሓይልታት ኤርትራ ብቐጻሊ ክዛተዩ፣ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ፣ ልኡኽ ግሃድኤ ኣዘኻኺሩ።

 

ሓላፊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ብወገኑ፣ ኩነታት ኤርትራን ኣገባብ ኣመሓዳድራኣን ንመንግስቲ ጀርመን ስዉር ከምዘይኮነን ብቐረባ ይከታተልዎ ምዃኖምን ብምርግጋጽ፣ ብዛዕባ’ቲ ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ናብ ኤርትራ ዘካየዶ ዑደትን ዉጽኢቱን ብንጹር ሓቢሩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ኣሰካፊ ምዃኑን ህጹጽ ፍታሕ ከምዘድልዮን ድማ ገሊጹ።

 

ልኡኽ ግሃድኤ በቲ ዝተገበረሉ ኣቀባብላን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ተራኺቡ ግሉጽነት ዝመልኦ ሃናጺ ምይይጥ ምክያዱን ልባዊ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ ክብል እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።

 

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

04/03/2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10188

Posted by on Mar 5 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net