ካብ ምልክታት ራዕዲ ህግደፍ

ensf - hidri

እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳዩ ዝፈሽል ዘሎ ምሕደራ እና ተኸተለ፡ ግን ከኣ ሃገር ናይ ምግባት ባህጉ ዝቕጽል ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ መልሓሱን ግብራዊ ኣካይድኡን ዘይቃደዉ ምዃኖም ዝያዳ ዝኽሻሓሉ ቅነ ተተሓሒዝዎ ምህላዉ ጥራሕ ከይኣክል ንባዕሉ ኣብ ሓያል ወጥሪ ምህላዉ ዘነጽር ምንቅስቓስ የርኢ ኣሎ፡፡ ብፍላይ እኳ ምስ እቶም ካብ  ወጻኢ ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ኣስመራ ከም ገያሾ ኮይኖም ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ውሽጦም ሓይሊ ተቓዉሞ ዘሪቑ ኣትዩ ኣሎ ዝብል ፍርሂ ዘንቀሎ ምጽንጻናትን ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎታት፡ መዘናግዒ ማእከላት፡ ቤት መስተታትን ኣብ መገዲ መገሻታት ናይ ውሽጢ ሃገርን ዝሕተትዎ መንቀሳቐሲ እሞ እቶም ገያሾ ከኣ ኣብ ገዛእ ዓድና ክንድእዚ መንቀሳቐሲ ክንሕተት ሓሲብና ኣይንፈልጥን፡ ረሲዕናዮ ኣብ ገዛ መጺእና እንተ ንኸውን’ከ እንታይ ምበለኩምና ዝብሉ ሕቶታትን፡ ዝወለድዎም ምዕዝምዛማትን፡ ብሰንኪ ናይ መንቀሳቐሲ ምጽራይ ዝግበር ክትትልን ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ናይ ጸጥታ ሓይሊን ተኣዘዝትን፡ ኣብ መንጎ ተሓተትን ሓተትን ግርጭታት እንዳ ዛየዱ ይኸዱ ምህላዎም ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ  ካብ ዉሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም መዓልታዊ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ምንጭታትና ኣብ ተወሳኺ ሓበሬትኦም ንደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና እንከላይ ዘይንሕፍ ብፍላይ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዳርጋ ምሸታዊ ግፋ ይካየድ ምህላዉን ኣብ ካልኦት ዞባታትና’ውን ሓሓሊፉ ይካየድ ምዃኑ ገሊጾም፡፡

እዚ ከም እዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ፈቐዶ መእተውን መውጽእን ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዝነበረ መፈተሺ (ኬላታት) ናብ ትሑት ቁጽሪ እኳ ወሪዱ እንተነበረ፡ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ግን ብዕጽፍታት ኣብ ርእሲ ምውሳኹ ሃንደበት ኣብ ዘይግመቱ ቦታታትን በረኻታትን ዘይቀወምቲ ኬላታት እንዳ ተወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

 

መጋቢት 22 / 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10220

Posted by on Mar 23 2016 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net