ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ምስ ወከልቲ ደምበ ተቓውሞን መንግስቲ ኤርትራን ተዘራሪቦም

Radio Erena: 25 April 2016

habte and birhanu

ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ክፍሊ ዞባ ኣፍሪቃ ምስ ወከልቲ ደምበ ተቓውሞን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ብመሰረት እቲ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ዝቐነየ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ክዘራረብ እንከሎ፣ ኣቐዲሙ’ውን ምስ ሓለፍቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተመሳሳሊ ዝርርብ ምክያዱ ገሊጾም።

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፊንላንድ ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ፣ ኣብ ፓሪስ ከምዝቐነየ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ’ዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ጎኒ ጎኒ ኣንጻር ‘ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ዘመተ ንምውዳብ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ዘካየዶ ርክባት’ዩ ምስ ሓለፍቲ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ’ውን ዝተመያየጠ።

ህሉው ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ልምዓት ምትሕግጋዝን መደባት ዝብሉ ነጥብታት’ውን ኣብቲ ዘተ ቀሪቦም።

 

እቲ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝከታተል ኣካል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ኣቐዲሙ’ውን፣ ንደመበ ተቓውሞ ካብ ዝወከሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያምን ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑን፣ ብ12 ለካቲት፣ ኣብ ፓሪስ ተቐቢሉ ተመሳሳሊ ምይይጥ ከምዘካየደሎም ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዘራራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዕትብ ምክትታል’ዩ ዘካይድ ዘሎ።

ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት፣ ዜጋታቱ ናብ ስደት ከምዝደፋፍኡ ዝገብሮ ንዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበረሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ኦላንድ ምጽውዑ ኣይርሳዕን።

================

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10314

Posted by on May 3 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net