ምዑታት ኣባላት ዉሽጣዊ ስርዒት ግሃድኤ ብምትሕብባር ምስ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝኾኑ ሓርበኛታት፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጻዊዒት ዘርጊሖም።

ensf baner

ምዑታት ኣባላት ዉሽጣዊ ስርዒት ግሃድኤ

ብምትሕብባር ምስ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝኾኑ ሓርበኛታት፣

ኣብ ከተማ ኣስመራ ጻዊዒት ዘርጊሖም።

 

ህዝብና ቡሩራዊ ኢዮበል ናጽነቱ ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ እዋንን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጨካኒ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ሕሱም ናብራን ዝወረዶ መከራን ኣብ ግምት ብምውሳድ፣ ምዑታት ኣባላት ዉሽጣዊ ስርዒት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምትሕብባር ምስ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝኾኑ ሓርበኛታት፣ ነቲ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ጸጥታዊ ምክትታል ጥሒሶም፣ ወጋሕታ ሮቡዕ ዕለት 18/05/2016 ኣብ ኣገዳሲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ናብ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዘቕነዐ ጻዊዒት ዘርጊሖም።

 

ህያው ጅግንነታዊ ታሪኽ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊትን ከምኡውን ሰራዊት ህዝባዊ ሓይልታትን ብምዝካር ሎሚ እዉን ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ዉጹዕ ህዝቦም ደዉ ብምባል፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ኣሊኻ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ንምትካል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተርኦም ክጻወቱ፣ እቲ ዝተዘርገሐ ጹሑፍ ጸዊዑ።

 

ብተወሳኺ ጻውዒት ምምሕዳር ውሽጢ ሃገር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ንቡዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣገደስቲ ባእታታ ኣብ ኢዶም ክበጽሖም ከም ዝተገብረ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

እቲ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ንበይኑ ከም ዘለዎ ነቕርበልኩም።

 

 

“ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

20/05/2016

.

.

.

ህጹጽ ጸዋዒት ናብ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣

ህዝብን ሃገርን ካብ ጨቛኒ ምሕደራ ህግደፍ ንምድሓን ሃየ ተላዓሉ!!

 

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨቛኒ ምሕደራ ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ፣ ሃገርን ህዝብን ክበታትን ኣብ ዝኽእል ኣዚዩ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ ንዝኾነ ሰብ ስዉር ኣይኮነን። እዚ ጨካን ምልካዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ብቕጽበት ኣብ ሓጺር እዋን እንተዘይተኣልዩ እዚ ብኽቡር  መስዋእቲ ጀጋኑና ዝተረጋገጸ ነጻነትና ንሓደጋ ክሳጣሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ስለዚ እምበኣር፣ ልዑላውነት ሃገርና ክዉን ዝገበሩ ጀጋኑ ተቓለስቲ ኤርትራውያን፣ ኣባላት ሰራዊት ሓርነትን (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ)፣ ህዝባዊ ሰራዊትን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ)፣ ሰራዊት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ዝነበርኩም፣  ሎሚ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ዘሎኹም፣ ሃገርን ህዝባን ካብ ዓማጺ ጉጅለ ህግደፍ ንምንጋፍን፣ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ተንኮላት ንምብርዓንን፣ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋትኩም ደለይቲ ፍትሒ ንኽትስለፉ ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና  ነረጋግጸልኩም።

ኦ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሓርነት!!

ህያው ጅግንነትዊ ታሪኽ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፣ ህዝባዊ ሰራዊትን ብምዝካር ምልካዊ ጉጅለ  ህግደፍ ኣሊኻ ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈኖ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምቛም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃሲ ዕዙዝ ተራ ንኽትጻወቱ ተስፋና ወሰን የብሉን።

ብጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተወለዐት ሽግ ነጻነት፣ ክቡር ህይወት ብሉጻት ሃገራውያን ከፊልና ክዉን ዝገበርናዮ ህዝባዊ ዕላማ ፣ ሎሚ ኢሳይያስን ጃንዳኡን ክጣልዑሉን ክጻወትሉን ኢድኩም ኣጣሚርኩም ክትርእዩ ምስ ጅግንነታዊ ታሪኹም ዝቃዶ ኣይኮነን።

 ዋሕዚ ስደት መንእሰያትና ደው ክብልን፣ ንፍትውቲ ኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ደዊኑ ዘሎ ጸልማት ተቐንጢጡ፣ ሃገርና ናብ ጎደና ዕብየትን ልምዓትን ገጻ ንክትምርሽን፣ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ዩ ከም ቀደም፣ ሃገራውን ገድላውን እጃምኩም ክትጻወቱ መድረኽ ዝሓተኩም ዘሎ። ከምቲ ኣብ ግንቦት 24 1991 ንሓይሊ መግዛእቲ ስዒርና ዘረጋግጽናዮ ዓወት፣ ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ዳግም ነረጋግጾ። ሓደራ ስዉኣትና ኣይንጥለም!! ሃገርና ኤርትራ፣ ንምድሓነይ ኣፍ ኣርክቡ እያ ትብለና ዘላ’ሞ ሃየ ቃላ ኣይነዕብር።

ተለዓል ሓርበኛ፣ ተለዓል ጎበዝ፣ ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣይትገበዝ !!

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ !!

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ምምሕዳር ውሽጣዊ ስርርዕ

ኣስመራ 20/54/2016

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10341

Posted by on May 23 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net