መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ 23 ሰነ 2016

geneva demo 23 6 2016

ዝከበርኩምን ዝከበርክንን ኤረትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ብመጀመርታ ኣብ ሂወትኩም ምሉእ ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነየልኩም :: ብምቕጻል ን 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቭ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ : ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ኣብ ኤረትራ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት : ጸብጻብ ኣጻራይት ኮምሽን ( Commission of Inquiry) ናብ ቤት ጽሕፈት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ዝቐርበሉ መዓልቲ ስለ ዝኮነ :ኣብዚ ወሳኒ ዕለት `ዚ ተረኺብና : ምስክርነትና ብድምጽና ከነስምዕ ሃገራዊ ሓላፍነትና እዩ :: ስርዓት ህግድፍ ነቲ ጨቋኒ ዝኮነ ፖሊስኡ ንምቅላዕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ግዜ ይሓተና ኣሎ ። ጉጂለ ስርዓት ህግደፍ ዕሱባቱ ሰሪዑ ብቕልዑን ስውርን ዘመተ ኣብ ዘካዝደሉ ዘሎ እዋን ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ዝገደፍና ገዲፍና : ንነብስናን ከማና ተደናገጽቲ እቲ ውጹዕ ህዝብናን ዝኾኑ ሰባት ብዝከክኣለና እንዳተሓጋገዝና ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ `ዚ ንክንርከብ ብኽብሪ ንጽውዕ ። ህግደፍ ንህዝቢ ንምድንጋርን ተደናገጽቲ ንምርካብን ከምቲ ቀጻሊ ዘመትኡ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ ::ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፡ ብጃምላዊ ህልቂት ትኽሰስ ኣላ እንዳበሉ ይጉስጉሱን ዘየለን ዘይተባህለን ሓሶታት ብምፍጣር ንህዝቢ የደናግሩ ኣለዉ :: እቲ ኽሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበነኛታት ዉልቀ – ሰባትን ትካላት ህግደፍን ክንሱ : ሃገር ትኽሰስ ኣላ ኣድሕንዋ : እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ክዉስኽ እዩ ርድኡና ብምባል ናይ ሓሶት ጥሩምባ ይነፍሑ ኣለዉ :: ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ገበን : ንኣጻራይት ኮምሽን ( Commission of Inquiry)ኣላጊቡ መዋጽኦ ክረክብ ላዕልን ታሕትን ክብል ስለ ዝርከብ : ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ በቲ ዝንቡዕ ናይ ምድንጋር ባህሊ ህግደፍ ተታሊሉ ኣብ ዘይኣፍልጦ መጋርያ ከይኣቱን ኣንጻር ውጹዕ ህዝብና ታሪኻዊ ጌጋ ከይገብር ከነረድእን ፡ ብዝተኻእለ መጠን ከኣ ብጉቡእ ኣረዲእና ኣብቲ መኣዲ ፍትሒ ኣበርክትኡ ከዕዝዝ ክንጉስጉሶን ክሕብሮን ሓፍነትና ምዃኑ ተረዲእና ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉ ይግባእ ። እዞም ዝኽሰሱ ዘለዉ ሰበስልጣን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንርብዒ ዘበን ዝኣክል መሰሉ ብምግፋፍ : ብቑጠባውን ማሕበራዊ ናብራን ዶቂሶም ብምሓዝ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ከም ዓለማ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ክትከዉን ዝግብኣ : በቲ መላኽን ጮቋንን ሜላኦም ኣደዳ እገዳን ተነጽሎ ምስ ዓለምን ይገብሩዋ ኣሎዉ :: ስለዚ ንሕና ከም ህዝቢ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ስለ ዝኾነ : ነዞም ማሕበረ- ሰብ ዓለም ኣላልያ ብገበነኛታት ሰምያቶም ዘላ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ሕጊ ንምቅራብ ደገፍና ንኣጻራይት ኮምሽን ( Commission of Inquiry)ብምሃብ ሃገርና ህዝብናን ከነድሕን ይግባእ። ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ ዝግበር ዕዉት ንኽኸዉን ሓባራዊ ስራሕ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክኸዉን ይግባእ :: ነዚ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዉህሃድ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዋ ኣብ ዝተፈላላያ ጥርናፈታት ዝነጥፋ : ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ይሰርሐኦ ከምዘለዉ ንኩሉ ሰብ ብሩህ ኽኮነሉ እይግባእ። 1. ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤረትራዊያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ( EPMDCS ) 2. ስምረት ምንቅስቃስ ኤረትራዊያን ንድሕነት ሃገር ( ESMNS ) 3. ኤረትራዊያን ስቪክ ደሞክራስያዊ ለውጢ ( ECDM ) 4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ( ENSF ) 5. ኤረትራዊያን ንሰላምን ደሞክራስን ( EPD ) 6. ምንቅስቃስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዝ ( EYMCS ) 7. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤረትራ ( EPDP ) 8. ምንቅስቃስ ንደሞክራስያዊ ፍትሒ ኤረትራ ( EMDJ ) 9. ደሞክራስያዊ ዉድብ ብሌን 10. ሰልፊ ኣል ናህዳ 11. ብዉልቂ ዝነጥፉ 12. ባርነት የብቅዕ ( Stop slevery ) 13. ኩላቶም ዓለም ለካዊ ደላይ ፍትሒ 14. ኩላቶም ኣብ ሰባዊ መሰላት ዝነጥፉ 15. ኩለን ሾሻል መዲያታት ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ !!! ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ 23 ሰነ 2016 ጀነቭ ስዊዘርላንድ ጽላል ኤረትራዊያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊዝ !! 24 ግንቦት 2016 ደለይቲ ፍትሒ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10344

Posted by on May 25 2016 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net