ጋዜጣዊ መግለጺ

ቤት-ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዜና ኤ.ዲ.ኪዳን ኣቶ በሺር ኢስሓቅ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ:- 

 

  እታ ብማእከላይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪዳን ዝተመርጸት ፈጻሚት ሽማግለ ነቲ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኽስተ ናይ ምፍንጫል ተርእዮ ንምብዳህ ዝዓልመ ከከም ኣድላይነቱ ኣበየግዚኡ ብመሰረት መደብ ዕዮኣ ኣኼባታታት ብምክያድ ምስ ሓድሽ ኩነት ብዝሰማማዕ መድረኻዊ መደባታ ሓንጺጻ። በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዜና፣ ወጻኢ ጉዳያት፣ ጸጥታን ሓበሬታ፣ ህዝባዊ ጉዳያትን ወዘተ…. ዘሰላስላ ኮሚቴታት ብምምራጽ ስርሓ ኣቃነዓ።

ብተወሳኺ ድሕሪ ምስሓብ ናይተን ሰልስተ ወድባት ካብ ኣባልነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን; ውድብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ህ.ድ.ግ.ኤ) ኣባልነቱ ኣብ ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪዳን ክሳብ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈቱ ዘካይድ ኣውንዚፍዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብመስረት እቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ውድቡ ንኣባልነት ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪዳን ክሳተፍ ብምውሳኑ ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ ኣቦ-መንበር ህ.ድ.ግ.ኤ ኣብቲ ብማእከላይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪዳን ዝተገብረ ምርጫ ከም ኣባል ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ኮይኑ ስለ ዝተመርጸ በዚ መሰረት ድማ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ኤ.ዲ.ኪዳን ተሳቲፉ: ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ድማ ተመዘዘ። ኣብቲ ዘቕረቦ መደብ ዕዮ ፈጻሚት ሽማግለ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ድማ ብሙሉእ ኣጽዲቓቶ።

 

ቤት-ጽሕፈት ዜና ኪዳን

 

27-3-2007ዓ.ም

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1119

Posted by on Mar 23 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net