ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ መልበርን — ኣዉስትራልያ

ብመሰረት እቲ ብዕለት 28  ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል  ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።

መንእሰይ  ሙንተስር ዓብደላ ፣ ( ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዞባ ኣዉስትራልያ)  እንካዕ ኣብዚ ኣብቀዓና ኢሉ ሓጺር መእተዊ ድሕር ምቅራብ ፤ካብኡ ቐጺሉ ኮምሽነር መምህር ሳልሕ ሓምደ ኣገባብ  ኣሰራርሓን ከምኡ ዉን ዕማማት  ሃገራዊ ኮሚሽን   ሓፈሻዊ  መግለጺ ሂቡ ። ቀጺሉ ድማ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ናይተን 4 ሽማግለታት ኮሚሽን ዕማማት ብሰፊሑ ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፣ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ በብዓቕሙ ምስ ኮሚሽን ክተሓባበር፣

ሞራላውን ማቴራላውን ድጋፍ ክገብሩላ ጸዊዑ።

ካብኡ ተሳተፍቲ ምውቕን ሰሓብን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎን  ክትዕ ድሕሪ ምክያድ 14 ዝኣባላታ ሽማግለ መሪጾም፣ ከምኡ ዉን  መበገሲ ክኾነኩም ኢሎም ዝኣክል ገንዘብ ኣበርኪቶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኮምሽነር መምህር ሳልሕ ሓምደ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙናት፣   ምስ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ከምኡ ዉን ኣብ ካልእ ከተማታት  ኣዉስትራልያ ዝተመሳሰለ ኣኼባታት ከካይድ መዲቡ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ዓወት ን ሃገራዊ ጉባኤ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1755

Posted by on Nov 7 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net