ዕዉት ሕዝባዊ አኼባ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብኣባላት ኮሚስዮን/ ስዊደን

ትማሊ ሰንበት ዕለት 7 ሕዳር 2010 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

ብጾት ኣባላት ኮሚስዮን፣ ሓው ዓብዳልካሪም ሙስጣፋ ናይ ዜና ስራሓት ኣባል፣ ከምኡ ድማ ሓው ኑር ኢድሪስ ናይ ውድባን ስርርዕን ስራሓት ኣባል ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ሰፊሕ መደረ ብዛዕባ ዋዕላን መደብ ስራሓት ኮምስዮንን ብሰፊሑ ገሊጾም።

ሓው ኢድሪስ ኑር ኣባል ኮሚስዮን ሕዝባዊ ውደባን ስርርዕን ብፓወር ፖይንት ገሩ ብቀደም ትኸተል ካብ ምጅማር ዋዕላ ክሳብ ምቋም ኮሚስዮን ከምኡ ድማ ኣቋቁማ ቅርጻ ኮሚስዮንን ስራሓታን ብዝርዝር ንኣኼቤኛታት ኣቅሪቡ። እቲ ሓበረታ ብስእልን መግለጽን ብሓቂ ኣዕጋቢ ነበረ።[cincopa AAIA1UKk_Mtt]

እቲ አኼባ ብክልቲኡ ቋንቋታት ትግሪኛን ዓረብን ሰለዝነበረ ናይ ምትርጓም ጸገም ኣይነበረን፣ ሓው ዓብደልካሪም ሙስታፋ ኣባል ኮሚስዮን ሓላፊ ዜናን ሓበረታን ብቋንቋ ዓረብ ኩሉ ነቲ ብስእሊ ዝቀርብ ዝነበረ መገልጽታት ብሰፊሑ ገሊጽዎ።

እቲ ቀንዲ መካትዒ ነጥብታት መዝነትን ስራሓትን ኮሚስዮን ነበረ።

ውድባዊ ቅርጻ ኮሚስዮን መን እንታይ ኢዩ መዝነቱ እንታይ ኢዩ ስራሑ ተገሊጹ፣

እተን ኣርባዕተ መደባት ስራሕ፣

1.     ሕዝባዊ ውደባን ስርርዕን፣ መን ምዃኖምን ስራሖም ከመይ ክስራሕ ከምዘለዎን ሓቢሮም፣

2.     ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ኮምስዮን ድማ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሓቶም እንታይን ከመይን ክስራሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም፣

3.     ዚናውን ሓበረታውን ኮምስዮን ኣባላት እውን ናይ ስራሖም ዕቅድን ኣስራርሓን ከመይ ከም ዝኾነ ንሕዝቢ ገሊጾም፣

4.     ቁጠባውን ገንዘባውን ኣሰራርሓ ሓላፊ ብጨንፈር ደረጃ ከመይ ክስራሕ ከምዘለዎ ብሓጺሩ ሓቢሮም።

ሕዝባዊ ዝርርብ

ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣኼባ ሓለፍቲ አኼባ ኮሚስዮን ንሕዝቢ ናይ ሕቶን መልሰን ቀጺሎም ድማ ኣብ ዘይበርሀ ጉዳያት ንዝያዳ ክገልጹን ክበራርሁን ንኣኼበኛታት ዕድል ከፈተ። ኣኼበኛታት ብብተርታ ክሓቱን ክመያየጡን ምስ ተኸፍተ፣ እቲ ዝቀርብ ዝነበረ ሕቶታት ብሓቂ ሓናጽን ኣገዳስን ብምንባሩ ኮሚስዮን ነዚ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብ መሊሳቶም።

እቲ ኩሉ ዝቀረብ ዝነበረ ርእይቶታትን፣ ሓሳባትን ንስራሓት ኮሚስዮን ንምዕዋት ዝሕግዝን ዘዕውትን ነበረ።

ኣብ መደምደምታ ሓምሽተ ስባት ዘለውዋ ናይ ስራሕ ኮሚተ ቘይሙ፣ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለየ ስራሓት ኮሚስዮን ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ክንቀሳቀሱ ድማ መዲቦም።

ኣባላት ኮምስዮን- ጨንፈር ስዊደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1757

Posted by on Nov 9 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net