ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን

ኣብ ከተማ ሳንበርዳንዲኖን ከባቢኣን ሰንበት 7 ሕዳር 2010 ዝተጋበአ ህዝባዊ ኣኼባ ንሃገራዊ ጉባኤ ብውዕዉዕ ክትዓትን ልዙብ ምርድዳእን ተሰላሲሉ። ብኣባል ኮምሽን ዝኾነ ሓው ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ መብርህን ድሕረ ባይታ ናይ ኮምሽን ድሕሪ ምቕራቡ፡ መደብ ዕዮን ዕላማን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ። እዚ ዕቱብ ተሳታፍነት ማሕበረሰብን፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ኣቓልቦን ተቐባልነትን እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ህዝባዊ ማዕበል ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ንኽወጽእ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ እምነቱን ፍልልያቱን ኣወንዚፉ ተሳታፍነቱ ከዐዝዝ ጸዊዑ።

እቲ ክንዛሕ ዝጸንሐ ጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት፡ መሰረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወረ ምንባሩን ኣነጺሩ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኤርትራውያን ሓድነቶም ዝያዳ ዘደልደለሉን መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዘውሓሰ ታሪኻዊ እምነ መሰረት ዘንበረ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ንምዕዋት ካብኣቶም ዝጥለብ ዘበለ ከማልኡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምክብባርን ሕድሕዳዊ ምርድዳእን፡ መባእታዊ ስልጣነ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፡ ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ነብሱ ሰሪዑን ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን፡ ነዚ ታሪኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ መዓልቲ ከቃላጥፍ ለበዉኡ ብምሕላፍ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ብምግባር፡ ዝውክልዎም ሽማግለ መሪጾም ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ሳንበርናርዲ (ኢንላንድ ኢምፓየር)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1783

Posted by on Nov 15 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net