ኣጸቢቑ ይቀላዕ ኣይትበልና ሳግላ ብላዕ ኣይ ትቕላዕ

ብ ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ   

ሓው ነጸረ ትወለመድህን ምስ ሓው ኣስመሮም በርሄ

        ንነብስኹም ኢልኩም ፍረዱ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድቨርታይዝ ህ.ግ.ደ.ፍ ብቕርንጫፍ መሓውሮም መስከረም ዳት ነጥ ኣቢሉ ተለጠፈ ብሓቂ ዲኹም ንጸጊዕነት ህግደፍ ምዃኑ ኣጣራጢሩኩም ኣነ ከም ዲቕ ዝበልኩም ኣካል ተቃወምቲ  እየ ዝፈልጠኩም ብመስከረም ዳት ነጥ ኣለም ጎይቶም ሸታሕ ኢልኩም ናጻ ፕረስ ብዝብል ግርህና ዓቢ ቐዳድ ቡኮ እዩ ነይሩ ንመስከረም ዳት ነጥ።

       ሕጂውን ድንክል በለ እምበር ኣይተኻዕወን

   መንዩ መቓልስትኹም መንዩ ኸ ጸላኢኹም ኣለልዩ

  እምበር መስከረም ዳት ነጥሲ ውራይ ህግደፍ ከጸብቕን ከዳምቕን ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቑጠባ ህ.ግ.ደ.ፍ ትንፋስ ንምምላስ ካብቲ ኣጽዒቑ ኣድብርታይዝ ኲሒሉን ወሪቑን ዝዝርጋሓሎም ዘሎ ንማንም ደላይ ለውጢ ስውር ኣይኮነን።

ንጭብጢ መርትዖ ዝኣክል ብመስከረም ዳት ነጥ ብኣለም ጎይቶኦም ዝተዘርጌሔ ኣድቨርታይዝ ህግደፍ ካብዚ ንታሕቲ ብስእሊን ጽሕፋት ህግደፍ ትዓዚብክም ሚዛንኩምን ሓሳብኩምን ሃቡ  ዓገብ ምባልሲ ነውሪ ድዩ???

በዓል ናጽነት በይ አርያ ፡ ቀዳም 05/20/2006 Oakland Event Organizing Commi

                                        ሪኢቶ

እዚ  መበል 15 ጽምብል ናጽነት እናበሉ ሰብ ብብዝሒ ክሳተፎም እሞ ኣታዊ ነቲ ንመገዲ ዕርበቱ ረድረድ ዝብል ዘሎ መሓውር ህግደፍ ተመሊሶም ብቖጠባ ሂወት ክሰኹዑሉ እሞ ሕሰም ህዝብና ክናዋሕ ዝግበር መጸዋዕታ ዕድመ ብመስከረም ዳት ነጥ ኣቢሎም ዓቢ ጎስጓስ ዝገብሩ ዘለዉ እከይ ውዲት እዩ

ናይ ናጽነት ብዓል ክትጽንብል ከለኻ ህዝቢ ናዝነቱ ምስ ዝራጋገዘሉ ጥራሕ እዩ

ንህዝቢ ከም ኣብዑር ሜኼዳ ወጽዑኡን፥ ተቓውሙኡን፥ ከየስምዕ እናበልካ ተተዛረበን ፥ተቓወመን፥ ናጻ ሪኢትኡ ምጽሃፍ ከልኪልካን ንትቓዉሙኡ ብቓልዕ ዘስመዔ ብማእለያ ዘይቡሉ ዓቐን ብደይ ፍርዲ ናብ ጎዳጉድ ብኣረሚናዊ ዘስካሕክሕ ጨካን ኣታሓሕዛ ናጽነት ተባሂሉለይ ብረታዊ ቃልሲ ክጅመር ከሎ እኮ እዚ ግፍዕታት እዚ ስለ ዝነበረ እዩ እኮድኣ ሎሚ ብዝገደደን ብዝመረረን ብዝሓስመን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይገድድ እንተበልኩ ብሓቂ ኣይ ተጋገኹን።

ኣቱም ንመስከረም ዳጥ ነጥ ከም ተቓዋማይ  እትቖጽሩ ትጉሽተትኩም

መስከረም ዳት ነጥ ናብ ህግደፍ ሰሊሙኢዩ ከየጋግየኩም ሓደራ

ዎዶ ገባ እብሉ ነበሩ ደርጊ

ሕጂ ኽኣ መስከረም ዳጥ ነጥ ፈትዩ ረድዩ ኣለም ጎይቶም ናብ ህግደፍ ኣትዩ እዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2382

Posted by on May 13 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net