ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ድሕሪ ምፍታሕ ጕዳይ ምብራቕ ከመይ’ዩ ክኸውን?

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
18.10.2006
 

ምፍታሕ ጕዳይ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዶባት ናይ ክልቲአን ሃገራት ጸጥታዊ ቅሳነት ከሰፍን፡ እዚ ድማ ብተራኡ ንጠለባት ልምዓት ናይ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ዘረጋግጽ ፖለቲካዊ ርግኣት ከስዕብን ትጽቢት ዝግበረሉ ጕዳይ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ክካየድ ብምፍቃድን፤ ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኤርትራ ብቅሉዕ ኣብ ጐድኒ ተቓወምቲ ብምስላፍን፤ ነቲ ናብ ደረጃ ብረታዊ ጐንጺ ዝበጽሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ኣብ ምብላሕ መሰረታዊ ዝዀነ ተራ ከምዝተጻወተ ዝፍለጥ ኢዩ። ስርዓት ኤርትራ ውን እንተዀነ ነዚ ኣሉ ዝብሎ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ስርዓት፡ ነቲ ንተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ዝገብሮ ደገፍ፡ ከም ኣምሳያ ናይ’ቲ ህዝቢ ሱዳን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝገበሮ ደገፍ ገይሩ ከምዝርእዮ ክገልጽ ኢዩ ዝስማዕ።

ብርግጽ፡ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገበሮ ደገፍ ብህዝቢ ኤርትራ ክምጐስን፤ ህዝብና ፍሉይ ሕውነታዊ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ክሓድሮን፤ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ኣምሳያኡ ዝኸፍለሉን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክረክብን ሃረር ከምዝብል ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ክንዲ’ቲ ንልምዓትን ህንጻን ወዲ ሰብ ዝዕንቅጽ ስርዓት ኢሳያስ ንዓሰርተታት ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ናይ ፈንጂታት ምቕባርን ወጥርታት ምፍጣርን፡ ህዝብና ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝውዕል ሰላምን ዝምድናን ንምንጋስ’ዩ ሃንቀው ከም ዝብል ዘካትዕ ኣይኰነን።

ኣብ’ዚ ክለዓል ዘለዎ ነህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ክሻቕል ዝጸንሐ ቅኑዕ ሕቶ እምበኣር፡ ስርዓት ኤርትራ ነቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ናይ ዕንወት ፖሊሲ ክእርምን፤ ንረብሓ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝውዕልን ሰላምን ርግኣትን ዘረጋግጽን ስትራተጂካዊ ዝዀነ ሕውነታዊ ዝምድና ንምፍጣር ድልውነት ኣለዎ’ዶ? ወይስ ካብ ቍጠባዊ ቅልውላውቱ ንምውጻእ ኢሉ ንሱዳን ንውሱን ግዜ መዝሚዙ፡ ከም ልማዱ ኣብ’ቲ ዝነበሮ ናይ ዕንወት ፖሊሲታቱ ክመልስ’ዩ ዝብል ኢዩ።

ኣብ ተገላባጥን ተበላጽን ባህርያትን፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ጕዳይ ሰላምን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘለዎ ኣሉታዊ መርገጻትን ናይ’ቲ ስርዓት ብምምርኳስ፤ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኵሉ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ጕዳያት ሱዳን ከም መንጐኛ ኰይኑ ብስምዒት ከነጥፍ ምፍታኑ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ድሌታቱ ጥርጠራ ዘየሕድር ኣይኰነን።

ጕዳይ ሰላም ነንሓድሕዱ ዝማላላእ ደኣ’ምበር ዝከፋፈል ስለዘይኰነ፡ እቲ ንኤርትራ ብሓጺናዊ ጭቆና ዘመሓድርን፤ ንፖለቲካዊ ህይወት ብሒቱን፤ ነቲ ውሱን ዓቕምታታ ኣብ ውግኣት ዝጽንቅቕን፤ ከም ውጽኢቱ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ንስደት ክውሕዙን ዝገብር ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሰላምን ዕርቅን ኣብ መንጐ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምጽእ ኢልካ ክትጽበዮ ዘይከኣል ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2538

Posted by on Oct 18 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net