ተገራዚ

17-10-06 ረ.ክ.(ባሻይ)

ቀባሕ-ባሕ ብሃሊ ሰነፍ ተገራዚ

ኣፉ ዝኸፍተሎም ከስትይዎ መርዚ

ኣራንሺ ንዕኦም ዕንጒለ ንዓኻ

ታሪኽካ ፈሊጦም ኣለልዮምኻ

      ብጊሓት ይንቁ ይብለካ ክተቱ

      ምሸት ተራኣኻስ ጎሮሮ ላሕቲቱ

      መሰል መቓቒሉ ጎደሎ ዝቕበል

      ለካ ’ስኻ ኢኻ ጸኒሑካ አመል

እንታይ ድኣ ኰይኑ ኣፍካ ተሓቲሙ

ሱር ነቀል ዘይብል ከምቲ ናይ ቀደሙ

ኣንጊህካ ክትጅምር ኣደራሽ ትገበሮ

ድሕሪ ፋዱስ ድማ ቴንዳ ትቕይሮ

      ህግደፍ ህቦቡላ ሓንቲ’ያ ልማዱ

      ግዳም የሕድረካ ተንዳኻ ቀዲዱ

      ኣየሕዝኑኻን ዲዮም ጒድጓድ ዝሰፈሩ

      ብጭራም ትጥበር ከመይ ድዩ ነገሩ?

ንሕናስ ንፈልጠካ ዘይፈልጡኻ ’ለዉ

ቍምነገር ከይመስሎም ከይባላሸዉ

ዝኸርም ዘይከርም ማይ ሰማይ ለመነ

ኣሜን ኣቢሉካ ናይ ህግደፍ ምስሌነ!

      ብዓዲ መለኽቲ ብግዳም ጽገና

      ወዮ ዕላማኻስ እምፖቲቶ ኰይና

      ፍለጣ ኣይትፍለጣ ንሳ’ያ ’ታ መድረኽ

      ይሕሸኒ ’ተልካስ ስቕ ኢልካ ተሓየኽ

ርብዒ ዘመን ኰይኑ ኣብ ግዳም በሊኻ

ለንቅነ መጺኦም ንዓናይ ክብልኻ

ልቢ ብዕራይ ኰይኑ መጻወት ወኻርያ

እስከ ሃሰስ በላ ናትካ’ውን የላን’ያ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2404

Posted by on Oct 17 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net