ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ካብ ወተሃደራዊ ህልውና ናጻ ዝዀነ መሬት ኣትዩ

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
17.10.2006

 

1500 ወተሃደራትን 14 ታንክታትን ዝሓዘ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብ16 ጥቅምቲ 2006፡ ናብ’ቲ ካብ ወተሃደራዊ ህልውና ናጻ ክኸውን ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ስምምዕ እተበጽሓሉ 25 ኪሎ ሚተር ብምእታው፡ ነቲ ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበረ ክፋል ናይ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኣውጺኡ ባዕሉ ከም እተቘጻጸሮ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም። ስፍሓት፡ ናይ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ተቘጻጺርዎ ዘሎ መሬት ክንደይ ምዃኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ክገልጹ ድልዋት ኣይኰኑን።

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮፊ ዓናን፡ እዚ ተግባር’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኣልጀርስ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እተበጽሐ ናይ ተዅስን ተጻብኦን ደው ምባል ዝብል ስምምዕ ዝጠሓሰን፤ ንጸጥታ ክልቲኡ ሃገራትን ንጸጥታ ናይ’ቲ ዞባ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ኢዩ ክብል ገሊጽዎ። ኤርትራ ሰራዊታ ካብ’ቲ ጸጥታዊ ክሊ (DMZ) ብቕልጡፍ ክትስሕብ ድማ ጸዊዑ።

እዚ ስጕምቲ’ዚ፡ ኣብ ጽባሕ ምኽታም ስምምዕ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ሱዳንን ግንባር ምብራቕን ምምጻኡ ድማ፡ ብዙሕ ሕታቶት ዘላዓዕል ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3376

Posted by on Oct 17 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net