ኣብርሃም ኣፍወርቂ „ፍሽኽታ ኣመሉ“

ሞትካ ብምስመዐይ  ብዙሕ ሓዚነ

እንታይ እሞ ይገበር ካብ ኮነ

ከም ሰብ እኳ ምእማኑ ሲኢነ

ብደርፍኻ ብዙሕ ሚሂርካ

ብደርፍኻ ብዙሕ ተሰፋ ሂብካ

ብደርፍኻ ብዙሕ ተነቢኻ

ብግብሪ እንደሞ ከይረኣኻዮ ከድካ

ኣብርሃም (ሞክሲ) ብዙሕ  ተሃዊካ

ባሕሪ “ዓለም”  ሓደገኛ ምኻኑ ሚሂርካ

ሓንቢሱ ንዘይክእል እውን  ኣጠንቂቕካ

ስለምንታይ ድኣ ንርእስኻ ዘይተጠንቀቕካ

እንታይሞ ይገበር ካብ ኮነ

ከም ሰብ እኳ  ምእማኑ ሲኢነ

ስዒብካዮ (ንባርያ)  የማነ

ኣዕልሎ ኢኻ ብድሕሪኡ ዝኾነ

ቃልሲ መናብርትና ምኻኑ ሚሂርካ

ሽግር ሓላፋይ ምኻኑ ሓቢርካ

ንቕድሚት ንክንሪኢ ኣተሓሳሲብካ

ብተስፋ ክንነብር ሚዒድካ

ኣማን ብኣማን ሓቅኻ

ሲኢናያ  እንደሞ እታ  ፍሽኽታኻ

ሲኢናያ  እንደሞ እታ  ፍሽኽታኻ

ጽንዓት ይሃቦ ንሕዝብኻ

ኣምላኽ ከኣ ይቀበልካ ብፍሽኽታ !!

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት

15.10.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2329

Posted by on Oct 15 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net