ብደም ደቃ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ እኒሆ ኣቶ ኢሳያስ ከም ድላዩ ይገብራ

ብኣዕጽምቲ ደቃ ዝተሃንጸት ኤርትራ

       ብደም ደቃ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ

       ብርሃጽ ደቃ ዝተሓጽበት ኤርትራ

       እኒሆ ኣቶ ኢሳያስ ከምድሌቱ ይገብራ

 

እንተደሊዩ ምስ የመን የዋግኣ

እነተደሊዩ ምስ ሱዳን የዋግኣ

እንተደሊዩ ምስ ኢትዮጵያ የዋግኣ

እንተደሊዩ ኣብ ዛየር፤ሶማል .… የዋግኣ

እንተደልዩ ምስ ዓለም የጻልኣ

ኣይምኣኸሎንዶ ደቃ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስውኣ

 

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ብዘይ ፍርዲ ይኣስሮም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ብሕቡእ የጥፍኦም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ኣብ በረኻ የስፍሮም

       ዊን ከመዝበሎ ንደቃ መሬቶም ይዘምቶም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ናብ ስደት የባርሮም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ከም ጠስሚ የደስክሎም

                  

ኩላ ሕዝባ ብፍርሕን ራዕድን  ተሰቂቓ

ገሊኣ ንረብሓኣ ክትበል ኣፋ ሒዛ ከም ታኒካ ተጨፍሊቓ

ክንደይ ጅግና ከኣ ከም ጨው ቀይሕ ባሕሪ ሓቒቓ

 

          ሕጂሞ ኤርትራ ብሰረገላ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ወሪዳላ

       ሕዝቢ ተላዒላ መሰለይ ይትሓሎ እንተዘይላ

       ኣምላኽ ይኽደነና ብምሉኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከየጥሕላ

 

 

ኣብርሃም ተኽለ

20.10.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2331

Posted by on Oct 20 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net