Poetry

ብደም ደቃ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ እኒሆ ኣቶ ኢሳያስ ከም ድላዩ ይገብራ

ብኣዕጽምቲ ደቃ ዝተሃንጸት ኤርትራ

       ብደም ደቃ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ

       ብርሃጽ ደቃ ዝተሓጽበት ኤርትራ

       እኒሆ ኣቶ ኢሳያስ ከምድሌቱ ይገብራ

 

እንተደሊዩ ምስ የመን የዋግኣ

እነተደሊዩ ምስ ሱዳን የዋግኣ

እንተደሊዩ ምስ ኢትዮጵያ የዋግኣ

እንተደሊዩ ኣብ ዛየር፤ሶማል .… የዋግኣ

እንተደልዩ ምስ ዓለም የጻልኣ

ኣይምኣኸሎንዶ ደቃ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስውኣ

 

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ብዘይ ፍርዲ ይኣስሮም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ብሕቡእ የጥፍኦም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ኣብ በረኻ የስፍሮም

       ዊን ከመዝበሎ ንደቃ መሬቶም ይዘምቶም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ናብ ስደት የባርሮም

       ዊን ከምዝበሎ ንደቃ ከም ጠስሚ የደስክሎም

                  

ኩላ ሕዝባ ብፍርሕን ራዕድን  ተሰቂቓ

ገሊኣ ንረብሓኣ ክትበል ኣፋ ሒዛ ከም ታኒካ ተጨፍሊቓ

ክንደይ ጅግና ከኣ ከም ጨው ቀይሕ ባሕሪ ሓቒቓ

 

          ሕጂሞ ኤርትራ ብሰረገላ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ወሪዳላ

       ሕዝቢ ተላዒላ መሰለይ ይትሓሎ እንተዘይላ

       ኣምላኽ ይኽደነና ብምሉኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከየጥሕላ

 

 

ኣብርሃም ተኽለ

20.10.2006

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top