ኤርትራ ሰራዊታን ታንክታታን ካብ ጸጥታዊ ክሊ ክትስሕብ ኣመሪካ ጸዊዓ

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
21.10.2006
 

ኤርትራ ሰራዊታ ካብ’ቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ጸጥታዊ ክሊ ከተውጽእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሓሙስ ዕለት 19.10.2006  ጸዊዓ።

እዚ ተግባር’ዚ ነቲ ቅድሚ 6 ዓመታት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት እተበጽሐ ስምምዕ ንሓደጋ ዘቃልዕ’ዩ ክትብል ውን ገሊጻቶ። “ኤርትራ፡ ነቲ ብ17 ጥቅምቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተገብረላ ጻውዒት ኣኽቢራ፡ ሰራዊታን ታንክታታትን ካልእ ከቢድ ብረትን ካብ’ቲ ጸጥታዊ ክሊ ከተውጽእ ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ” ክብል ናይ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ ቃል ውሃቢ፡ ቶም ከይሲ ሓቢሩ። ከምኡ ውን፡ ክልቲአን ሃገራት በቲ ናይ 2000 ዓ.ም ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ክቕየዳ ከምዝግብአን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ “ኤርትራ ኣጽዋር ናብ ሶማልያ ብምልኣኽ ኣንጻር ጸላኢታ ኢትዮጵያ ሓድሽ ግንባር ከፊታ ኣላ። ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ብኻልእ ግንባር ከተጥቅዓ ትመጣጠር ኣላ። ኤርትራ፡ ናብ ሶማልያ ብረት ትጓርት ምህላዋ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ኣሎና” ክትብል ተሓጋጋዚት ሓላፊት ኣፍሪቃዊ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ዶክተር ጀናዲ ፍረይዘር ብሓሙስ ገሊጻ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሀርማን ኮሀን፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ቀደም ሓላፊ ኣፍሪቃዊ ክፍሊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ኣብ ፕረስ ኮንፈረንስ ዩ.አስ. ኤይ (Press conference USA) ዝብል መደብ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ኤርትራ፡ ናይ ዘይምርግጋእ ባእታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይና ኣላ። ኣብ ዳርፉርን ሶምልያን ሰሜን ኡጋንዳን ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ብረት ትጓርት ኢያ” ክብል ከሲሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ ውን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ኤርትራ፡ ሰራዊትን ታንክታትን ናብ’ቲ ናይ ጸጥታዊ ክሊ ምእታዋ፡ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ኢትዮጵያ ግን፡ ሕጂ ዘይኰነስ፡ ቅድም ክብል ኣትሒዛ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ጸጥታዊ ክሊ ይኣቱ ከምዝነበረ አዐርያ ትፈልጥ’ያ። ንሕቡራት ሃገራት ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ግህሰታት’ዚ ክትሕብር ጸኒሓ ኢያ። ስለ’ዚ፡ እቲ ናይ ጸጥታ ክሊ ዝብሃል ነገር የለን። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ጥሕሰት’ዚ ብውግእ ኣይክትምልሰሉን ኢያ። ጌጋ ብጌጋ ኣይእረምን ኢዩ። ልዑላውነትናን ዶባትናን ንምክልኻል ዘኽእለና ብቕዓትን ድማ ኣሎና። ሕጂ እንገብሮ ሓድሽ ምድላዋት የብልናን” ዝብል ቃል ኣስሚዑ።

ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ፡ ሰራዊታና ናብ ጸጥታዊ ክሊ ዝኣተወ፡ ንዓጺድ’ዩ ዝብል መግለጺ ድማ፡ እተን ታንክታት’ከ ምስ ዓጺድ ዘዛምድ እንታይ ስርሓት ኣለወን ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3389

Posted by on Oct 21 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net