ንመራራሕ

10-21-2006 ረ.ክ.(ባሻይ)

ፍንጫሕ መሰንገልና ይቕበሩ

ከይበደሉ ኣብ ጒድጓድ ይሰፍሩ

ህግደፋውያን ሬሳታት ይቖጽሩ

ክሳዕ ክንድዚ ወድ-ሰብ ሓሲሩ

      ብህግደፍ ዘኽቲሙ እግሪ ተኽሊ

      ኣርጊፎሞ መንእሰይ ከም ቆጽሊ

      ርእሲ ጅግና ደኒኑ ከም ሓኽሊ

      ከስዐ ሃገር መኺኑ ከም በቕሊ

ሰብ ሓሲሩ ወሪዱ’ብ ዕዳጋ

ንምጽወታ ተሰሪዑ ሪጋ

ተበቲኑ ክቡር ዓጽመ-ስጋ

ምዓንጣ መን’ያ ’ታ ተዘሪጋ?

      ወላድ ኣደ ደቃ ተመንጢላ

      ህበይ’ኳ ተዕብዮም ሓዚላ

      ላም’ኳ ተጥብዎም ሒሕ ’ላ

      ህግደፍ ውሒጡዎም ጨካን ዒላ

እንታይ’ያ ጌራ ምዓስ ተረጊማ

ወረ ’ታይ በዲላ ንመን ኣቐይማ

ክሳዕ ክንድ’ዚ ከመይ’ዩ ጸገማ

ጒዳም ሃገር ብሬሳ ሃብቲማ

      ኣታ ህዝቢ ሓቂ ዘይትዝቲ

      ምርኣይ ስኢንካዮ ንዘማቲ!

      የብልካን ድዩ ዓይኒ መጠመቲ?

      ንስጋ ሰብ ዝበልዕ መንግስቲ!

ንህግደፍሲ ብሰላም ክብሉና

ብግፈፎ ኣጽድፎ ጸኒትና

ብጸንጽል ኣደስክል ቈሪና

ቋንቋ’ቦና ኣዴና ጨኒቑና

ክንልምኖም ንሳቶም ተዀብቲ

ካብ ዓውድናስ ድማ ብውንጭሕቲ

      ካብ ኲምርናስ ንእሽቶይ እንዳእቲ

      መንገደኛ ኰይኑ ብዓል ርስቲ!

ኔው በልዎ ዕላምኡ ሓዲግ

ኣይናትናን’ዩ ጽሩይ ማይ ዝዘርግ

ጽሓይ ዕርበት መንገዱ ጽልግልግ

መሕጸር ዕድመ መንእሰይ ዘእርግ

      ወድ-ሰብ ጸሚሙ ብጌጋ ክምልመል

      ብጋዜጣ ህግደፍ ሓሶት ክቀባበል

      ኣብ ኤርትራ ሓጻር ኰይና ገመል

      ጒዳም ህቦቡላ ጒዳም ማዕበል!

ከርተት ከብለና ዝሰርቕ ዝሕሱ

ክንዲ ንኸሶምሲ ንሳቶም ይኸሱ

ብጠጠውና ሕጊ ተደምሲሱ

መልኣኽና ሃዲሙ ሰይጣኖም ነጊሱ

      ዝሰለመ ይሰልም ብዓል ኣመል

      ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ዝሃብዎ ይቀበል

      ህዝቢ ዝኣመነ ንህዝቢ ደው ይበል

      ድሕሪ መርድእ ከብዲ ሰብ ሸጥ ይበል

ኣጓብዝ ንቐሉ መሰልኩም ኣምጽኡ

ኣይትበሉ ፓስፖርተይ ጠፊኡ

ትሕዝቶ ጎረሓት እስከ ተረድኡ

ውራይ ምድንጋር ነቓዕ ገንኡ

      መን’ዩ ተሪፉና ዘይተኾልፈ

      ዝጸሓፈ ይኹን ዝደረፈ

      መንከ ዘይተጸፍዐ ዘይተጸርፈ

      ዘይተጸጸየ የለን ዘይተቐርፈ

ግራት ሃካይ ማንቲለ ትዓጽዶ

መጐት ፈራህ ገበነኛ ይፈርዶ

ሰፍኢ ሃላይ ኣይርከቦን ሮዶ

ድሕሪ ደጊም ኣየድልን ምዕዶ

ኣደ ጅግና ማህጸና ከይረግም

ኣብራኻ ጨቢጣ ከይትሓልም

ውላድ ይትረፍ ኢላ ከይትቝዝም

ንመራራሕ ንቕድሚት ንሰጒም!!!

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2426

Posted by on Oct 21 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net