ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን መኸተታቱን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
21.11.2006
 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ጠቕላላ ጕባኤን ኣስዒቡ ድማ፡ ኵሉ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝጻረር ፓለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታት ዝሳተፍሉን፤ ፖለቲካውያን ውድባትን ፓርትታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝሰማምዕሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝንደፈሉ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጐ መንግስታት ናይ ዞናና ሓድሽ ዝምድናታትን ምሕዝነታትን ዝፈጥር ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይግሃዱ ኣለዉ።

እዚ ጕባኤታት ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዚ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ሕዱር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መፍትሒ ዝገብር ብቕዓት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ መተካእታ ብምፍጣር፡ ነቲ ገዛኢ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንጠለባት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምዝንብርከኽ ዝገብር፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ ነቲ ብሰንኪ ቅድም ክብል ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ውግእ ዝሰዓበ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ብርሰት ኣብ ክንዲ ዝፍውስ፥ እንደገና ንሃገርና ናብ ሓድሽ ውግእ ዝነቍት ጐደና ሒዙ ዝጓዓዘሉ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕባለታት ዞናና ዝዓጽፍ መኸተ ክገብር ዝሓትት ብድሆታት ኣብ ቅድሚኡ ተደቂኑ ኣሎ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ በዳሂ ኵነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዘሎ ሰፊኑ ዘሎ፡ እምበር’ዶ ኪዳን ንህዝቢ ኣልዓዒሉ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከሰልፎ’ዩ ዝብል ጥርጣሬታት ዘልግስ፡ ንሓድነት ህዝብና ዘረጋግጽን ኣድማዒ ስርሓት ንምክያድ ዘብቅዕን ሓድሽ ፖሊሲታት ኣብ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤኡ ክሕንጽጽ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝምርኰሰሉ ህዝባዊ ባይታ ከምዘይብሉ ኵላትና ዘይንፈላለየሉ ጭቡጥ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘሎ ንህልዊ ቻርተር ዝምልከት በሊሕ ፍልልያትን ምውጣጥን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘልዕልዎ ጭርሖታት ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ እምነት ዘጕድልን፤ መተካእታ ናይ ኪዳን ንምንዳይ ዝግበር ፋሕተርተርን ይርአ ኢዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊኡ ንዝስንዘር ነቐፌታታት ብኣወንታ ምቕባሉ ዝእምት ስጕምቲ ድማ፡ ቅድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ፡ ኵሉ ዝሳተፎ ሃገራዊ ዋዕላ ክግበር ምውሳኑ ኢዩ። ሃገራዊ ዋዕላ፡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ወገናት መጽናዕቲ ዝካየደሉ ዓውዲ ኰይኑ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ውን፡ ካብ ምሕዝነት ወጻኢ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝተጸንበርሉ ኪዳን ብምምስራቱ ዝምጐስ ዓወት ተመዝጊቡ ኢዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ከኣ፡ ነዚ ተበግሶ’ዚ ብምንጥጣፍ፡ ኵሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ዝተሰማማዓሉ ኣብ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝተሰረተ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዘሐይል ሃገራዊ ዋዕላ ንምስንዳእ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ኤርትራውያን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምሁራትን ካልኦት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብናን ነዚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝገበሮ ኣወንታዊ ጻውዒት፡ ብክሱት ልቦም ክቕበልዎን፥ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዅሉ ፖለቲካዊ ሕብርታቱ ንምድልዳል ሃናጺ ግደ ክጻወቱን ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።

 


Short URL: https://english.farajat.net/?p=2540

Posted by on Nov 21 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net