መንግስቲ ሶማል፡ ስርዓት ኣስመራ ነቲ ኣብ ሶማል ዘሎ ግጭት የጋድዶ ከብል ከሲሱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 29, 2005
ካርቱም  

ሶማል ምስተን ንስርዓት ኣስመራ ጠንቂ ናይዘይምርግጋእ እዚ ዞባ ክብላ ዝከሳ ሃገራት ተጸንቢራ።ኣቦ መንበር ምምሕዳር ማእከላይ ሽብሊ መሓመድ ዑመር ሓቢብ ጤሪ ምታትታው መራሒ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምስዳድ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመገዲ መሬት ሶማል ዝገብሮ ዘሎ ከምዘቃለዐ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ንሱ ቐጥታዊ ክሲ ንፕረስደንት ኢሰያስ ነቲ ሚስጥራዊ ስምምዕ ምስ ክልተ ሶማላዊያን መርሓቲ ውግእ ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝተኣለሙ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ሶማል ኣቢሉ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዝሰደደ ኣቕሪቡ።ብመሰረት ሓበሬታ ጤሪ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ፕረደንት ኤርትራን እቶም ክልተ ሶማሊያዊያን መርሓቲ ውግእ፡ ኣብ ደቡብ መቓዲሾ ዝርከቡ ስራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣልታሓድ ኣልእስላሚያ ኣብ መዓስከር ” ከቦ ሀርግ” ናብ ታሕተዋይ ሽብሊ ከምዘሰጋገርዎም ሓቢሩ።እቲ ቐዳማይ ደረጃ ናይቲ ስምምዕ ሰራዊት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ጆውሃርን ሓደርን ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ዝርከባ ተወጢኑ ዘሎ መጥቃዓቲ ከሳተፉ ምዃኖም ጤሪ ሓቢሩ።

ኣብቲ ስሉሳዊ ስምምዕ እቶም ክልተ መርሓቲ ሶማሊያዊያን ብምውህሃድ ፕረስደንት ኤርትራ፡ ነቶም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ንኻኣትዉ ንምሕጋዝ ከምዝኾነ ጤሪ ሓቢሩ።እዚ ድማ ድሕሪ ንምፍራሱ ነቲ ኣብ ሶማል ዳግመ ምህናጽ ማእኸላይ መንግስቲ ከምዝኾነ ጤሪ ኣፍሊጡ።ኣስዒቡ ንሱ ምፍሻልን ዘይምርግጋእን ከምእውን ምዕንቃፍ ንምስግጋር መንግስቲ ሶማል ናብ ከተማ ጆውሃር ሓላፍነት ንፕረስደንት ኤርትራ ኣሰኪሙ።

ፕረስደንት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማል ዘሎ እገዳ ኣጽውር ከምዝጠሓሰ ጤሪ ብምቅላዕ ፕረስደንት ኤርትራ ካብ ሃገራት ኢጋድ ንምድጋፍ መንግስቲ ሶማል ዝኣተዎ መብጽዓ እቲ ቐዳማይ ዝጠለመ ፕረስደንት እዩ ከብል ኣስሚርሉ።

እዚ ክሲ ሶማል ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ሱዳን ናብ ባይቶ ጸጥታ ው.ሕ.ሃ. ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ዘቕረበቶ ክሲ እዩ።እዚ ድማ እቲ ሱዳን ዘቕረበቶ ክሲ ምስቲ መሓመድ ዑመር ኣብ ትራንስፕረስ መግላጺ ዝሃቦ ተምሳሳሊ እዩ።እንተኾነ ግን ሓላፊ ዜና ስርዓት ኣስመራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ነቲ ብጤሪ ዝተዋሃመ ክሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ከብል መልሲ ሂብሉ።

መብዝሓተን ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ንመግለጺ መሓመድ ቄሪ ብዛዕባ ምስግጋር ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመገዲ መሬት ሶማል ኣብ ሕታመን ኣስፊረን።

ከምዝዝከር ፕርስደንት ኤርትራ ምስ ናይ ቕድም ፕረስደንት ሶማል ነበር ዓብደልቃስም ሰላዲ ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኮይኑ፡ ነቲ ንምምዛዝ ሓድሽ ፐረስደንት ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ዝተገበረ ስነስርዓት ከምዘይተሳተፈ ይፍለጥ።ስርዓት ኣስመራ ኣብ 1999 ብመገዲ መሬት ሶማል ኣቢሉ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንውሽጢ ኢትዩጵያ ከምዝዘርገሐ፡ እዚ ድማ ዝዓበየ ስርሒት ናይ ምስግጋር ከምዝነበረ ይዝከር።ቕጺሉ’ውን ኣብ 2001 ብመገዲ ሱዳን ከምእውን ካልእ ፈተነ ብመገዲ ኬንያ ከምዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ፈተነታት ሽትኡ ከምዘይወቐዐ ምግላጹ ይዝከር።

እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ነቲ ዓለማዊ ነቔፌታ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘራጉድ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2907

Posted by on Jun 29 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net