ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ኮንፈርንስ ም.ተ.ም.ኤ(E.A.I.M)

ካብ ዕለት 28-ክሳብ 29 ግንቦት ዝተኻየደ ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሕዝነታዊ ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤሪትራውያን (ም.ተ.ም.ኤ) ብዓወት ተዛዚሙ።

ኮንፈረንስና ዝተኻየደሉ፡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ጽንኩር ቅልውላው ኣትይሉ ዘሎ ህሞት ብምግንዛብ ፡ ህዝቢ ኤሪትራ ነተን ዝሓለፋ 30 ዓመታት መረርቲ ናይ ቃልሲ እዋናት፡ ዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ጸጋኡን ጻሙኡን ከይረኣየ ዝተኾልፈሉ እዋን ኣዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ ከም ዓለሙ፡ ከምቶም ነጻነቶም ረኺቦም ቀሲኖም ብሰለም ዝነብሩ ዘሎዉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ፡ሰላም ረኺቢ ቀሲኑ ኩሉ ዜጋ ኣብ ምምዕባልን ሃገርን ዕብየት ሕብረተ-ሰብን ልዑል ግዲኡ ክጻወት ምተገበኦ።እንተኾነ ግን ኣብ ዘይተጸብዮ ዘስካሕክሕ ናይ ጭቆና መርበብ ስለ ዝወደቀ፡ ንዳግመ መግዝእቲ ምስባር ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝዋር ቃልሲ ኣትዩ ንቃልሲ ክሰሓል ተገዲዱ። ነቲ ከይጠዓመሉን ከየስተማቀሮን ዝተመንጠሎ ነጻነት፡ ዋግኡ ክቡር ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዕ ኣገባብ  ውደባ ተሰሪዑን፡ ተቃሊሱን ናብ ነባሪ ቦትኡ ክመልሶ ቃልስታቱ ከሕንን ተገዲዱ፡ ብዕቱብ ተተሓሒዙዎ ‘ውን ይቅጽል ኣሎ።

ም.ተ.ምኤ፡ ከም ውላድ ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነቱ ከይዘንግዐ፡ ከሎ ገና “ውን ነዚ ኣራዊት ዝኾነ ስርዓት ብእዋኑ ስለ ዘለለዮ፡ ካብ ሱሩ ተሓግሒጉ ብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትካእ ኣሎዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ተበጊሱ ካብ ቅድሚ ነጻነት ዝተተሓሓዞ ቃልሲ እንሆ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል።

ም.ተ.ም.ኤ፡ ኣብ ምምስራት ስሙር ሃገራዊ ቃልስታት ህዝቢ ኣድላይነቱ ብምግንዛብ ካብቶም ሓደ ድቀ ሓሳብ ናይ ስሙር ሃገራዊ ቃልሲ ዘተኣታተው ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ እዩ። ኣብ ምምስራትን ምዕባይን ሃገራዊ ምሕዝነት ኤሪትራ ግዲኡ ዝተጻወትን ክሳብ መወዳእታ ናብ ኤሪትራዊ ደሞክራስያዊ ከዳን ዝተሳጋረሉ እዋን፡ ነቲ ኩሉ ዘጓንፎ ዝነበር መሰናኽላት ሰጊሩ ንመተከላትን ቻርተን ሃ.ም.ኤ ዝተኸላኸለ እዩ።ምስ ኩሎም ምእንቲ ድሕነት ህዝብና ዝቃልሱ ሃገራውያን ሓይልታትን ምንቅስቃሳትን ባእታታን ቃልሱ ብምትሕብባር ሃገራዊ ግድኡ ዝተጻወተን ሕጂ ‘ውን ዝጸመደ እዩ።

ም.ተ.ም.ኤ፡ ብዘለዎ ዓቅሚ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ዓቅምታቱ ኣጎልቢቱ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ምእንቲ ክቃለስ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ምሕዝነት ኮይኑ ክቃለስ ዝጸንሐ ሃገራዊ ሓይልታት፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጥረዮ ናይ ሓባር ቃልስን ምትእምማንን ምስ ማሓዙት ውድባት፡ ድሕሪ ደቂቅ መጽናዕቲ ኣብ ዘተኣማምን ፍልማዊ ምቅርራባት ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኣድላይነት ምምስራት ንኹሉ ከይዲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝውክል ውድብ፡ ተደላይነቱ ብምግንዛብ ነቲ መጀመርያ ውህደት ሸውዓተ ውድባት ብዝብል ዝተፈልጠ ቀጺሉ ብ “ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤሪትራ”  ዝተሰየመ ፡ደጊሙ ኣብ ምምስራት ልዑል ተራ ዝተጻወተን፡ ቀጺሉ ኣብ መስርሕ ሓደ ወድብ ንምፍጣር ብቀጻሊ ዝነጥፍ ዘሎ እዩ።

ኣባላት ም.ተ.ም.ኤ ኣብ ካልኣይ ኮንፈርንስ ካብቶም ብዝሓት ዝተኻታዓሎምን ዝወሰኖም ውሳኔታት፡ ንውህደት ሸውዓት ውድባት ናብ ሓደ ውድብ ንምጭፍላቅ ዝመወዳእትኡ ዕላማ ፡ ንኣባላቱን ንህዝብን ዝኣተዎ መብጽዓ ስለ ዝኾነ፡ ብቀዳምነት ክስረሓሉ ካልኣይ ከንፈረንስ ም.ተ.ም.ኤ ወሲኑ። ነዚ ኩሉ በዳሂ ዕማማት ተተግብር ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ሓዳስ መሪሕነት መሪጹ።

  1. ያቆብ ኣንድርያስ –ኣቦ መንበር
  1. ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) –ናይ ፖሎቲካ ሓላፊ
  1. በርሀ ሃብቱ –ናይ ዜናን ፕሮፖጋንዳ ሓላፊ
  1. ላይነ ዓንደመስቀል– ናይ ህዝባዊ ስርርዕ ሓላፊ
  1. ኣዜብ ዛይድ–ናይ ገንዘብን ንብረትን ሓላፊት

 

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና

ክንዕወት ኢና

      ምሕዝነታዊ ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤሪትራውያን

                         (ም.ተ.ም.ኤ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2966

Posted by on Jun 6 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net