ጉባኤ ጫንፈራት ኤውሮጳ ሰልፊ ናህዳ ብዓወት ተዛዚሙ

ጨንፈራት ሰልፊ ናህዳ ናይ ኤውሮጳ አብ ሆላንድ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 16 april 2006 ዝተገብረ ጉባኤ ብዓወት ተፈጺሙ፤

ጉባኤ ጨንፈራት ኤውሮጳ ብአቦወንበር ጨንፈር ድሕሪ ምኽፋቱ አቦወንበር ሰልፍና ከም ናይ መጀመርታ ናይ ጨንፈራት ጉባኤ መጠን ነቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ አባላት ወድብ ምስጋኑኡ ብምግላጽ ነቲ ጨንፈር ሆላንድ ዝገበርኩሙልና ቁጠባዊ ሓገዝ ድማ ብልቢ ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ አይደልን ክብል ምስጋንኡ ንመሰረታት አቕሪቡ፡

  ብህልዊ ኩነታት ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታትን መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ አብዚ ሎሚ ንህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ናይ ከቢድ ጸበባን ጽንኩር ኩነታትን ምምስራት ውድብና ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ናይ ዓወት አሳልጦ ከምዘምጽአሉ ብምእማን ዝሓተና ቃልሲ ካብ 24ን ሰዓት ንመዓልቲ ንላዕሊ ምኻኑ አገንዚቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምእንቲ ነጻነቱ ዝኸፈሎ ዋጋ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ናይ ህዝብና ሓርነታዊ ደሞክራሲ ቁልቁል አፉ ስለዝደፍኦ ኩሉ ኤርትራዊ አብ ነዚ ስርዓትዚ ካብ ሱሩ ንምምሓው ዓቢ ተወፋይነት ከምዝሓትት አገንዚቡ፡ ንአባላት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘለና ስጡም ዝምድና ብደረጃ መሪሕነትን መሰረታትን ሙሉእ ተሓባባርነት ክንገብር ንጠቕሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ተረዲእና ጽዑቕ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ክህልወና መተካእታ የብሉን ይብል፡

ቀጺሉ Kebire Relief Organisation { ማሕበር ግብረ ሰናይ ከቢረ} ከምዝቖመውን ንመሰረታት ብዛዕባ ንጥፈታት ከቢረ ገሊጹ፡

አብ ጉባኤ ድሕሪ ምእታውና ናይ ብሓደጋ ዝተጎድኤ ሃንደበታዊ ሞት ወዱ ማለት ኻልድ ኑር ኢድሪስ አብ መበል 16 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ስለዝተፈልየ ስነስርዓት ቀብሪ ንምርካብ ካብ ሞንጎ ጉባኤ ናብ አመሪካ ተሳፊሩ፡ ነዚ ዝተረኽበ መሪር ሓዘን ሞት ሓውና ኻልድ ኑር ኢድሪስ መሪር ሓዘና ብምግላጽ ንስድራበት መዋቲ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምኻና ንገልጽ፡

እቲ አብቲ ሰዓት እቲ ንዘጋጠመ ሀንደበታዊ ሞት ወዲ አቦወንበር ውድብና አብ መንጎ አባላትና ዝተራእየ ሕውነታዊ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ነቲ ጉባኤ ዓቢ ብጻይነትን ናይ ምጥርናፍ ሓይልን ትብዓትን አሕዲሩሉ 

ጉባኤና አብትሕትዚ መሪር ዝኾነ ኩነታት ብምቕጻል ብጉዳይ ውሽጣዊ ስርርዕን ከምኡውን አብዝሓጸረ እዋን ማሕበር ደቂ አንስትዮን ማሕበር መንእሰያትን ንምቓም አብቲ ጉባኤ ውሳነ ብምሕላፍ ንዝጽበየና መተካእታ ዘይብሉ ህዝባዊ ቃልስና ብጽንዓት ክንምክቶ ምኻንና ብምእማን  ዕዉት ጉባኤ ከምዘሕለፍና ንፈተውቲ ሰላም ከነበስር ንፈቱ።

ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ

ዕንወት ንስርዓት ህግደፍ

ጨንፈር ሆላንድ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3065

Posted by on Apr 24 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net