መልእኽቲ ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ

GIC
11/09/2006

መደበር ሓበሬት ጋልፍ (GIC) ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና እንቓዕ ናብ ብርሃን ቅዱስ ዮሓንንስ ኣብጸሓኩም እናበለ ርሑስ ኣውደኣመት ክገበረልኩም ትምነ ። ናይ ለብዘበን  በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ህዝብና ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዝከፍኣ ኩነታት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ህሞት ይበዓል ምህላዉ ካብቶም ንዓመታት ብተኸታታሊ ክበዓሉ ዝጸንሑ በዓላት ቅዱስ ዮሓንስ ፍሉይ ይገብሮ ። እቶም መቐረት በዓላትን ተረከብቲ ኩለንተናዊ ናብራ ናይ ህዝብን ዝኾኑ መንእሰያት ኤርትራ ፈቖዶ በረኻታትን ፡ ባሕርታትን ግዳይ ሞትን ከልበትበትን ፡ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ኮይኖም መዓልታዊ ብኣማኢት ናብ ስደት ይውሕዙ ኣብ ዝሃለዉሉ ኣጋጣሚ ከምቲ ኣብ  በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዝድረፍ ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋልታን ኩኑ ዘይኮነስ ፡ ብረሱ ብረሱ ካብ ዘለኩሞ ጽነቱ ብዘስምዕ ኣገባብ ተታሒዞም ይጠፍኡ ኣለዉ ። ስድራቤታ ጭልምልም ወሪስወን ፡ ኣረገውቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝጥውሮም ሲኢኖም ኣብ ገዛ ተኾርምዮም ፡ ካልእ ናይ ፍስሃን ደስታን በዓላት ምብዓልስ ይትረፍ ነታ ጸሎቶም ከብጽሑ ናብ ቤተክርስትያን መሪሑ ዘብጽሖም ሲኢኖም ይርከቡ ።

ናይ ሃይማኖት ሕግን ወግዕን ጠፊኡ ፡ ብሕጊ ሃይማኖት ዝተቐብኣ ጳጳስ ኣውሪድካ ቤተክርስትያን ብዓለም እናተመርሐት ፡ ንስለይምሰል በተን ምስሉያት መራኸቢ ብዙሃን ተጠቕምካ ሃገር ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘላ ከተምስል እንተጨደርካ ፡ በዚ ናይ ነፋሒቶ ኣካይዳ ዝታለል ዝኾነ መእመናን የለን ። በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ብዓንደ ርእሱ  ሓደ መላግቦ ናይ ክልተ ወቕቲታት ማለት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ክራማት ናብ ቀውዒ ዝሰጋገረሉ  ብባህላዊ ኣዘራርባ ዓኾኻይ ዝባሃለሉ ግዜ ብምኻኑ ካብ ካልኦት በዓላት ፍሉይ ይገብሮ ፡ ስለዚ ኣብዚ ህሞት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮ ዘሎ ዓኾኻይ ካብ ምርጋጽ ነጻነት ሃይማኖት ፡ ሰብኣዊ ሓርነት ፡ ብርሰት መንእሰያት ኮታስ ምስግጋር ናብ ኩሎም ሓርነታት ይደሊ ኣሎ ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሆየ ሆየ ሽግ ወሊዖም ዓበይቲ ስድርኦም ዘሳግሩ መንእሰያት ፡ ኣብ ጓይላ ተራኺቦም ንሓዳር ንቑምነገር ዝመራረጹ መንእሰያት ፡ ሰሲኖም ሽሕን ዋልታን ዝኾኑ መንእሰያት የለዉን ። ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብ ዝጎደላ ሃገር እንታይ ዓይነት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ኣዩ ክበዓል ? እንታይ ዓይነት በዓል ከምዝበዓልኳ ንኹሉ ብዓዱን ህዝቡን ዝሓሰብ ፡ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ፡ ባህልን ልምድን ሃይማኖትን ሃገሩ ዝፈልጥ ዜጋ ከም ጸሓይ ቀትሪ ዝደመቐ ነገርዩ ። ከምዚ ካብ ኮነ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ግናይ ተረኽቦ ፡ በዚ ዘሎ ኩነታት ከይተደሃልና ፡ በቲ ሓደ ባህልናን ወግዕና ልምድናን ሃይማኖትና  ከይሓደግና ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንኹሉ ሳዕ ብኸምዚ ዘሎናዮ መጻኢኡ ዘይፍለጥ ጸልማት ዓኮኻይ ንኹል ሳዕ ክነብር ስለዘይብልና ፡-

ዓኮኻይ ገዓት ብርሰት ውጻእ ገዓት ምስሳን እቶ ፡

ዓኾኻይ ገዓት ጭኮና ውጻእ ገዓት ሓርነት እቶ

ዓኾኻይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት  ውጻእ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እቶ

ዓኽዕኻይ ቅቡእ ጳጳስ እቶ  ዓለማዊ መራሕ ሃይማኖት ውጻእ

እንብለሉ ግዜ ሕጂዩ

ደጊማ (GIC) መደበር ሓበሬት ጋልፍ  ንኹሎ ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ይግበረልኩም እናበለት ዝመጽእ ዓመት እነብዕሎ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ፡ ኩሎም ህዝቢ ኤርትራ ሲኢንዎም ዘሎ ሓርነት ረኺቡ ፡ ሽግርን ከርተትን ፡ ስደትን ኣኽቲሙ ዝበዓል በዓል ክኸውን ሰናይ ምንዮታ ትገልጽ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3141

Posted by on Sep 11 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net