News

ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም 250 መንእሰያት ኣብ ሓደ ሰሙን ኣብ ሱዳን ኣትዮም

ካብ መርበብ ኢንተርነት ኣዱሊስ ዶት ኮም
  • 13.09.2006
 መስርሕ ምጽንቃቕ ናይ ኤርትራ ካብ’ቶም ብሉጻት ዓቕምታታ ዝዀኑ መንእሰያት ይቕጽል ኣሎ። ካብ ዕለት 1-7 መስከረም 2006 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም 250 መንእሰያት ካብ ሰራዊት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣምሊጦም ናብ ሱዳን ምእታዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መንጐ’ዞም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ፡ መብዛሕትኦም ካብ መበል 19ን 20ን ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀኑ መንእሰያት 17 ደቂ ኣንስትዮ ይርከብኦም።ምስ’ዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ፡ ናብ ሱዳን ምብጻሖም ሕጕሳት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፤ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግዲፍ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ብፍላይ ከኣ፡ ምጣነ-ሃብታዊ መዳይ እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ኣረጋጊጾም። ሓደ ካብ’ቶም መንእሰያት ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንኵሎም መንእሰያት ካብ ትምህርትን ካልእ ህያው ዝዀነ ንጥፈታትን ኣጐናዲቡ፡ ኣብ ሰራዊት ምጽንባሩ ጥዕና ዘለዎ ስራሕ ኣይኰነን ዝገብር ዘሎ ኢሉ። ቀጺሉ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ስርዓት’ዚ ክናገፍ ከምዝደሊ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፥ ንሰዓብቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ እንቋዕ ናብ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብጽሓኩም፤ እዚ ዓመት’ዚ ከኣ፡ ካብ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ እንገላገለሉ ዓመት ይግበረልና ብምባል ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ክሃድም ዝፈተነ ይኹን ኣብ ህድማ ዝተሓባበረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክቕተል ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ዝዝከር’ዩ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ግን፡ ንህድማ ናይ መንእሰያት ክሳዕ ሕጂ ደው ከብሎ ኣይከኣለን።

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top