News

ሰለስተ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን እንዳሰገሩ መይቶም

GIC
11/11/06

ሓሙሽተ መንእሰያት ካብ ከባቢ ኣስመራ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ታንከር ናይ ቦጥ እንከለዉ ብሕጽረት ትንፋስ ሰለስተ ካብኣቶም ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን  ከምዝመቱ ካብ ከባቢ ተሰነይ ዝበጸሓና  ሓበሬታ ገሊጹ ። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝመቱ በጺሑና እኳ እንተሎ ስጋብ ሕጂ ብወግዒ ስድራቤቶም ስለዘይተነግሩን ንድሕነት ስድራቤቶምን ክንብል ዘይጠቐስናዮ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ ። እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ወሲኹ ከምዝገለጾ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸወን ካብ ከባቢ ከረን ዝተበገሱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም  ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዶብ ብስሕለት ተቐቲሎ ከምዝተረኽቡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ  ወሲኹ ገሊጹ ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ መዝማዚ ፖሊሲኡ ካብ ሃገር ሃዲሞም  ንዝወጹ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዶባት ሃሱሳት ብምውፋር ሒዙ ኣብ ሓድሽ መዓስከር ዝተባህለ ናይ ትሕቲ መሬት ቤት ማእሰርቲ ብምእሳር  ኣማኢት ዝቑጽሮም መንእሰያት የሳቒ ከምዘሎ ካብ እሱራት ነበር ዝረኸብናዮ ሓበሬት ይገልጽ ። ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ክተሰግሩ ተረኺብኩም ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ተሰነይ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከምዝረሸነ ዝፍለጥዩ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top