ሰለስተ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን እንዳሰገሩ መይቶም

GIC
11/11/06

ሓሙሽተ መንእሰያት ካብ ከባቢ ኣስመራ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ታንከር ናይ ቦጥ እንከለዉ ብሕጽረት ትንፋስ ሰለስተ ካብኣቶም ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን  ከምዝመቱ ካብ ከባቢ ተሰነይ ዝበጸሓና  ሓበሬታ ገሊጹ ። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ዝመቱ በጺሑና እኳ እንተሎ ስጋብ ሕጂ ብወግዒ ስድራቤቶም ስለዘይተነግሩን ንድሕነት ስድራቤቶምን ክንብል ዘይጠቐስናዮ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ ። እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ወሲኹ ከምዝገለጾ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸወን ካብ ከባቢ ከረን ዝተበገሱ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም  ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዶብ ብስሕለት ተቐቲሎ ከምዝተረኽቡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ  ወሲኹ ገሊጹ ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ መዝማዚ ፖሊሲኡ ካብ ሃገር ሃዲሞም  ንዝወጹ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ዶባት ሃሱሳት ብምውፋር ሒዙ ኣብ ሓድሽ መዓስከር ዝተባህለ ናይ ትሕቲ መሬት ቤት ማእሰርቲ ብምእሳር  ኣማኢት ዝቑጽሮም መንእሰያት የሳቒ ከምዘሎ ካብ እሱራት ነበር ዝረኸብናዮ ሓበሬት ይገልጽ ። ከምኡውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዶብ ክተሰግሩ ተረኺብኩም ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ተሰነይ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከምዝረሸነ ዝፍለጥዩ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3143

Posted by on Nov 11 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net