ንዝኽሪ ናይ እምነት እሱራት ኣቦታትን ኣደታትን ኣሓትን ኣሕዋትን

ናይ እምነት እሱራት

ብኣካል ሑዩራት

ብመንፈስ ብርቱዓት

ናይ ጽባሕ ምሰትያት

      ፍቕሪ ኣብ ልቦም

      እምነት ዝማዕተቦም

      ጽቡቕ ዝግብሮም

      አረ እንታይ ኢዮም ጌሮም !

ኣመንቲ ተኣስሮም

ጀጋኑ ተሓይሮም

መንሰያት ተሰዲዶም

ቆልዑት ዘኽቲሞም

ወለዲ ብሓዘን ሓሪሮም

ሃገርና እናጠፍአት

ዓይንና ተዓመተት

እዝንና ጸመመት

ኣፍና እውን ተለጉመት

መዓት ወሪዱና

ጌና ግን ዘይተረደኣና

እንታይ ኢና ኮና

ኣምላኽ/ኣላህ በጃኻ ኣብራሃልና

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ደንሃኽ ሆላንድ

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት

08.11.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1404

Posted by on Nov 8 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net