Poetry

ንዝኽሪ ናይ እምነት እሱራት ኣቦታትን ኣደታትን ኣሓትን ኣሕዋትን

ናይ እምነት እሱራት

ብኣካል ሑዩራት

ብመንፈስ ብርቱዓት

ናይ ጽባሕ ምሰትያት

      ፍቕሪ ኣብ ልቦም

      እምነት ዝማዕተቦም

      ጽቡቕ ዝግብሮም

      አረ እንታይ ኢዮም ጌሮም !

ኣመንቲ ተኣስሮም

ጀጋኑ ተሓይሮም

መንሰያት ተሰዲዶም

ቆልዑት ዘኽቲሞም

ወለዲ ብሓዘን ሓሪሮም

ሃገርና እናጠፍአት

ዓይንና ተዓመተት

እዝንና ጸመመት

ኣፍና እውን ተለጉመት

መዓት ወሪዱና

ጌና ግን ዘይተረደኣና

እንታይ ኢና ኮና

ኣምላኽ/ኣላህ በጃኻ ኣብራሃልና

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ደንሃኽ ሆላንድ

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት

08.11.2006

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top