ታሪኻዊት መርዓት

ሕዳር-11-2006

ረ.ክ.(ባሻይ)

ኤርትራ ሃገረይ ታሪኻዊት መርዓት

ምዓስ’ዩ  ዝዕገት ናይ ደቅኺ ንብዓት?

ካበይ’ዩ ዝዘንብ ካበየናይ ሰማይ

በየን’ዩ ዝፍልፍል ካበየናይ ቀላይ?

      አዒንቲ ቀምሲሉ ቅርኒብ ተማሕይዎ

      ኣበይሲ ክጥምት ደሮና ኣትይዎ

      ዝናብ እንተበዝሐ ናብ ርቡኡ ’ወርድ

      ጨው ንብዓት ደቅኺ ምዕጒርቲ ’ጨድድ

ሞትሲ ንቡር ነይሩ መርድእ ዝንገሮ

ናትክስ ንበይኑ’ዩ ስቕ ኢልካ ቅበሮ

ታሪኻዊ ከስዐ ጅግና ትወልድሉ

ተጋጊኺ’ንደሞ ህግደፍ ሓዊስክሉ

      ጨካን ዓመጸኛ መንእሰይ ዝቐዝፍ

      ሓመድ ዘይፈሰሶም ረጊጹ ዝሓልፍ

      ነብሰ ጾር ጸኒሕኪ ኣዳም ከይፈለጠ

      ኣብታ ሕጽኖትኪ ወሊድኪ ቍማጠ

ሓዲኡ ግበሪ ሃገረይ ኤርትራ

ደቅኺ ፋሕ ኢሎም ተቐይርኪ ዛግራ

ደቂ ዛግራስ’ኳ ነፊሮም ይዓልቡ

በሪሮም-በሪሮም ነቍዮም ይራኸቡ

      ከምቲ ናይ ዓንተቦ ውለዲ’ባ ጅግና

      ደቂ ለብዘበንሲ ኣብየት ጥራይ ኰንና

      ዳኛ ጠፊኡና ናብ ህግደፍ ንጠርዕ

      ደብሪ ተጋጊና ዘይሰምዕ ንጽውዕ

ኣቱም ኣቤት ትብሉ ኣቱም ትምህለሉ

ሻምላኹም ኣልዕሉ ሓይሊ ወስኹሉ

ቀላጽም ዘይብሉ ቃልሲ ኣይሰልጥን

ሰሪትካ ምግዳፍ’ዩ ቤት ኣይበሃልን

      ኣሰባባር ቆቛሕ ይትረፍ ጠለይ-ጠለይ

      ሕራይ ኣይብልን ዝለመደ እምብለይ

      ስርዓት ናይ ዓድና ረቢ ዝዓደሎ

      እንዳ ተጻረፍካስ ምሓረና ትብሎ

ጀበና ዝንጉዓት ሰገድኡ ሳዕሪ

ፈናጅል ጥራዩ ወዮ ቡን ንምድሪ

ንህግደፍ ዝኣምን መዋቲ ጸናቲ

ዝተረፈ ዳካ ሕርኽራኽ ይሰቲ

      ዘይሓልፈላ ጭሩስ መሰከረም ትዓውር

      ሰዊት ከቢቡዋ ተጎምብያ ትሓድር

      ናብ ጤል ተቐይርና ጥንቅልዒት ቀርና

      ዕጥቅና ብድሕሪት ብቕድሚት ጥራይና

መከረኛ መርዓት ሓዲኡ ግበሪ

ናብ ዓዲ ዘእቱ መንገዲ ሓብሪ

ሕሰቡ በልና ዘይሓስብ ኣይንገድ

መንቀርቀር ዓድሊ ኣቐብሊ ሸደድ

      እንተ ሓጺር ኰይኑ እንተ ነዊሕ ቆጽሊ

      ጭራስ የድሊ’ዩ ጭራ ሰስ መበሊ

      ስዉእ ተደፊኑ እሱር ተዳጒኑ

      ክንዲ ዝልምንሲ ህግደፍ ተለሚኑ

ምህለላ ሰሚዑ ህግደፍ ኣራጢጡ

ካዕ-ካዕ ይብል ኣሎ ኣስናኑ ወቂጡ

እንታይ ከይለግቦ ጸርፍስ ንጻረፎ

መሰል ናይ ስደት’ዩ ድሓን ንለፍልፎ

      እዚ’ዩ ኤርትራ ሃለዋት ናይ ስደት

      ብዙሓት ከለና ተቖጺርና ሒደት

      ሓደ እምብለይ ይብል ሓደ ትኾብለይ

      ገለን ብቕልጽመይ ገለን ለምኑለይ

ኣጆኺ ሀገረይ ኣለውኺ ደቂ

ሳንቲም ዘይኸፍሉ ህግደፋዊ ጥርቂ

ኣምሰያ ዝፈድዩ ሕነ ዝተኸስረ

ሓንሳእ ምስተዓጥቀት ዘይትፍታሕ ስረ

      ደም ዘለዎ ጅግና ስዉኣት ዘይርስዕ

      ኣብ ዳስ ናይ ጠለምቲ ከይዱ ዘይስዕስዕ

      ዋላ ጥርቀ ይኹን ናይ ኣናህብ ሰፈር

      ክስዓር’ዩ ህግደፍ ክእሰር ክምርመር!!!

  ረ.ክ.(ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1396

Posted by on Nov 11 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net