ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተዓጽዩ ድሕሪ ምቕናይ ተከፊቱ ።

GIC
14/12/06
ድሕሪ መንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ንዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ዶብ ድሕሪ ምፍትሑ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሒዝናይ ዘሎና ወርሒ ናይ መጎዓዚ ሰነድ ዝመንቀሊኡ ተዓጽዩ ከምዝቐነየ ካብ ከባቢ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ።

 ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ዶባት ካብ ናብን ክልቲኡ ሃገራት መእተዊ ፍቓድ ኣብ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ክግበር ድሕሪ ምጽናሕ መንግስቲ ኤርትራ ተጎዓዝቲ ሱዳናውያን ካብ ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱምም ኽንያት መእተዊኦም ብምጥቃስ  መእተዊ ፍቓድ ክሓቱ ከምዘለዎም ምስ ወሰነ ፣ መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። እንተኾነ  ግን ኣብ መጀመርታ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን መንግስቲ ኤርትራ እቲ ምንቅስቓስ ናይ ክልቲኡ ዜጋታት ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ስለዝተሰማምዐ እቲ ዶብ ክፍታሕ ተኻኢሉ ኣሎ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3161

Posted by on Dec 14 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net