ኣብ ኣውስትራልያ ብህግደፍ ዝዳሎ ፈስቲቫል ንምቅዋም ምድላዋት ይግበር ኣሎ ።

GIC
14/12/06
ኣብ ከተማ መልበርን ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ተዳልዩ ንዕለት 5ን 6ን ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ንምፍሻል ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣብ ኣውስትራልያ ዓቢ  ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና  ሓበሬታ ገሊጹ ። ብመሰረት እቲ ዝበጸሓና ሓብሬታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ናይቲ ተቓውሞ ዘድሊ ቅድመ መሰናድኦታት ተጌሩ ነቲ ኩነት ንምግጣም ኣብ ዝለዓለ ምድላው ከምዘለዉ ተገሊጹ ። ብተወሳኺ ኣዳላዊት ኮሚቴ ናይቲ ተቓውሞ ምስ ምምሕዳር ፖሊስ መልበርን ብምርኻብ ብዛዕብ እቲ ተቓውሞን ዝካየደሉ መስርሕን ብምዝርራብ ኣብ ምርድዳእ በጺሓ ኣላ ። 

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ሓደ ካብ ኣባላት ናይቲ ኮሚቴ መሓመድ ጠሃ ተወከል ሓልፊ መደበር ሓብሬታ ጋልፍ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኤርትራ ኣብ ምልበርን ንዕላማ ናይቲ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ ኣብ ኤርትራ ሰብ እንዳ ጠመየን ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ተደፊሩ ኣብ ሕማቅ ኩነታት እናሃለወ ፈስቲቫል ክግበር ቅቡል ከምዘይኮነ ብምግላጽ ብዘሎና ዓቕሚ ክንቃወሞ ኢና  ክብል ገሊጹ “ ከምኡውን ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስራላያ ነቲ ተቓውሞ ክድግፍዎ ጸዊዑ ።

  ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ኣብ ዓመት ዓመት ዝግበር ኮይኑ ኣብ ዝሓልፈ ዓመት ስርዓት ህግደፍ ሙዚቀኛታት ኣሰንዩ ክገብሮ ንዝሓሰብ ፈስቲቫል ዓቢ ተቓውሞ ገጢምዎ ፣ ብሰንኪ እቲ ተቓውሞ ድማ ኣለክስ ካሕሳይ ምስ ካላዩ ተጻዋቲ ኦርጋን ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ንስርዓት ህገደፍ ራህሪሖም ዕቑባ ከምዝሓተቱ ይፍለጥ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3169

Posted by on Dec 14 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net