News

ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ይቕጽል ኣሎ

GIC
20/08/2006 
   ካብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብ ዕለት 11 /08/2006 ጀሚሮም ኣስታት 235 መንእሰያት ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ስጋብ  ሕጂ ካብቶም ናይ መጀመርታ 185 ኤርትራውያን ሓደሽቲ ስደተኛታት 35 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ እቶም ዝተረፉ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ።ብተወሳኺ  እቶም መንእሰያት ካብ መዓስከር ሳዋ መበል 20 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት  ዝመጹ ኮይኖም መብዛሕቶም ኣብ ትሑት ዕድመ ዝረከቡ እዮም ክብለ እቲ ሓበሬታ የብርህ ። ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ትምርቲ ብምስባብ 11 ክፍሊ ዝወድኡ ተማህሮ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ብምውራድ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ  ። ብዙሓት ተማህሮ ነዚ ግዱድ ዕስክርና ብምቕዋም ብዓሰትረታት ኣማኢት ዝቑጸሩ  ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ ።

ኣብ ተመሳሲሊ ዜና ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብጀልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 መንእሰያት ኣስታት 20 ካብኣቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ክሞቱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሓገዝ ገፈፍቲ ዓሳ ክድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top