ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ይቕጽል ኣሎ

GIC
20/08/2006 
   ካብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብ ዕለት 11 /08/2006 ጀሚሮም ኣስታት 235 መንእሰያት ናብ ሱዳን ኣትዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ስጋብ  ሕጂ ካብቶም ናይ መጀመርታ 185 ኤርትራውያን ሓደሽቲ ስደተኛታት 35 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ እቶም ዝተረፉ ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ።ብተወሳኺ  እቶም መንእሰያት ካብ መዓስከር ሳዋ መበል 20 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት  ዝመጹ ኮይኖም መብዛሕቶም ኣብ ትሑት ዕድመ ዝረከቡ እዮም ክብለ እቲ ሓበሬታ የብርህ ። ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ብምኽንያት ትምርቲ ብምስባብ 11 ክፍሊ ዝወድኡ ተማህሮ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ብምውራድ ጅሆ ሒዝዎም ኣሎ  ። ብዙሓት ተማህሮ ነዚ ግዱድ ዕስክርና ብምቕዋም ብዓሰትረታት ኣማኢት ዝቑጸሩ  ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ ።

ኣብ ተመሳሲሊ ዜና ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብጀልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 መንእሰያት ኣስታት 20 ካብኣቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ክሞቱ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ብሓገዝ ገፈፍቲ ዓሳ ክድሕኑ ክኢሎም ኣለዉ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3222

Posted by on Aug 20 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net