ፕሮፈሰር መደዊ ቱራቢ ኣብ ህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ሰሚናር ኣካይዱ ::

GIC
26/11/06
 

ኣባል ማእከል ፖለቲካዊ መጽናዕቲ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር መደዊ ቱራቢ ብዕለት 24/11/2006 ኣብ ማእከል መጽናዕቲ ኣፍሪቓ ከተማ ካርቱም ኣብ ህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ ።

ፕሮፈሰር መደዊ ኣብ መግለጺኡ ኣገዳስነት ቀርኒ ኣፍሪቃ  ብዓቢኡ ኣብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብፍላይ ምስ ምጉዕዓዝ ነዳዲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጽ ።

  ኣብ ጉዳይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ናይ ዶብ ጎንጺ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብን ምጽዋዕን ምጥቃም ምስ ገደፎ 60% ናይ ሰደድን ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትዎ ኣቕሑት ብመንገዲ  ውደብ ፖርትሱዳን ይካየድ ምህላዉ  ነቲ ኣብ መንጎ ኤትዮጵያን ሱዳንን ዝጸንሐ ዝምድና ንኽተርር ዓቢ ድርኺት ሂብዎ ድሕሪ ምባል ብወገን ኢትዮጵያ ድማ  ሱዳን ነቲ ኣብ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጠለብ ኤለትሪካ ካብ ኢትዮጵያ ትረክብ ምህላዋ ነቲ ዝምድና ዝለዓለ ድርኺት እዩ ኢሉ ፡ ብሰንኪ እዚ ቁጠባዊ ምትእስሳር እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኩን ኩነት መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ዘይትንከፍን ስትራተጂካውን እዩ  ክብል ገሊጽዎ ። 

ኣብ ተመሳስሊ ኣርእስቲ ንምዕባለ እዚ ዞባ ኣተኮሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሐለፈ ዓመታት ምስ ኩለን ጎረባብቱ ኩናት ከፊቱ ንዓቕሚ ምዕባለ ናይዚ ዞባ ረሚስዎ ምጽንሑ ክብጻሕ ዝግብኦ ዞባዊ ምዕባለ ኣይተረኽበን ። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ህጂውን  ንዘለዎ ዓቕሚ ሰብን ባህሪያዊ ሃብት ኣብ ግምት ብምእታው  ካብ ዘለዎ ሕማቕ ተናኻሲ ፖሊዚ ወጺኡ ምስ እዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ናይ ሓብር ረብሓን ምክብባርን ዝተመርኮሰ ዝምድና ክፈጥር ይግብኦ ኢሉ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3232

Posted by on Nov 26 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net