News

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ንዝሰርሑ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ ::

GIC
26/11/06
 

ኣካል ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ንተማህሮ ካልኣይ ደረጃን ተማህሮ ዩኒቨርሲቲን ካብ ሃገር ንኸይወጹ ዝግበር ዝነበረ ዋሕሳ ናይ ምምጻእ ጠለብ ህጂውን ኣብ ኣባያተ ጽሕፈት መ ንግስቲ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ስጋብ ዕለት 30 እዚ  ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዋሕስ ከምጽኡ ከምዘለዎም ከምዝተሓበሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዞም ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ስጋብ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ዋሕስ ከምጹ እንተዘይክኢሎም ካብ ስርሖም ክባረሩ ምዃኖም ዝገልጽ ትእዛዝ  ከምዝተዋህቦም  እቲ ዝረኸብናዮ  ሓበሬታ ወሲኩ ገሊጹ ።

ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዝሐላፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰንኪ ዝኽተሎ ፖሊሲ ካብ ሃገር ንዝወጹ መንእሰያት  ንስድራቤቶም ብምእሳር 50,000 ናቕፋ ክኸፍሉ ከገድድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኣዩ ። እንተኾነ ግን ዋላ  እኳ እቲ መንግስቲ መፍትሒ መስሊዎ እዚ ዓይነት ስጉምቲ ይውሰድ እምበር ንዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ክገትኦ ኣይከኣለን ። ከምውጺት ናይዚ ኣዕናዊ ፖሊሲ እዚ ኸኣ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን  አጻኢን ሕማቕ  ናብራ ከሕልፉ ተገዲዶም ኣለዉ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top