News

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን እቲ ናይ ወጻእተኛታት ምጽራይ መስርሕ ክቕጽሎ ምዃኑ ገሊጹ ።

GIC
27/11 /2006
 

ዳይረክተር ክፍሊ ወጻእተኛታት ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳይት ሱዳን ብርጌድር ጀነራል ከማል ኣብዱልመንዕም እቲ ብዕለት 15/11/2006 ዝጀመረ ናይ ወጻእተኛታት ምጽራይ መስርሕ ክቕጽል ምኻኑን ፡ እቲ መስርሕ ንኹሎም ኣብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝቕመጡ ወጻእተኛታት እምበር ኣብ ፍሉይ ዜግነት ዘተኮረ ዘይምዃኑ  ገሊጹ ።  ስጋብ ሕጂ ተጌሩ ኣብ ዘሎ ምጽራይ ኣስታት 1339 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝቕመጡ  ወጻእተኛታት ከምዝተረኽቡን ፡  እቶም 881 ካብ ኣፍሪቃ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 380 ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤስያ ምኻኖም ገሊጹ ።

ጀነራል ከማል ኣብ መግለጺኡ እዚ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ ኩነታት ነብሲ ወከፍ ስደተኛ ንምፍላጥን ፡ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ዘለዎን እዩ ክብል ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፡ ስደተኛታ ብመሰረት ሕጊ ስደተኛታት ምጽራይ ተጌርሉ ብሕጋዊ መንገዲ ብሰላም ዝነብሩሉ ስጉምታት ክውሰድ ምኻኑ ኣብሪሁ  ።

ስጋብ ሕጂ ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ ንኤርትራውያን ብዙሕ ዘይተንከፈ ምህላዉ ንብዙሓት ኣዲርዎም ዝነበረ ስግኣት ብተዛማዲ ሃዲኡ ኣሎ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top