ኣያ ገረወልዱ ተፈዲሑ ጉዱ
ብተስፋማርያም ው/ጊዮርጊስ
ኖርወይ 26/11/06
ነውራማት ጃንዳ ህግደፍ ኣቤት ክኽእልዎ
ካብዝን ካብትን ቆራሪጾም ብዝሰናንዕዎ
ቀደም ዝተሳእለ ከም ሓድሽ ስለ ዘምስልዎ
ንደገፍቶምዃ ሎምስ ሓሶቶም ደንጽይዎ
ኣብልዕሊኦም ዝነበሮ እምነት ተፊኡዎ
ብጌጋ ሓበረታ ብናይ ኣሽካዕላል ስብከት
ህዝቢ እናደናገሩ ናብ ጽልኢናብ ህውከት
ሓውንሓው ከናኸሱ ዝውዕሉ ሕንዚ ዑኮት
ሰላም ዘይፈትዉ ሰብ ኣመል ባርዕ ኲናት
ሚእቲ ደሞዞም ኣሽሓት ዝሕሽሹ ንለይቲ
መንጢሎም ዝነብሩ ናይ ሃገር መዕነውቲ
ህዝቦም ኣጥምዮም ዘዕቁቡ ንተጻረርቲ
ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘብዝሑ ቃራሙ ሰለይቲ
መዘና ዘይተረኽቦም ጨው ኣልቦ መቋናጸብቲ
ጉልባቦም ሰብ መሰል ውሽጦም ሸይጣውንቲ
ሳሕል ዝመደበሩ ንጥፍኣትና ዝተማባጽዐ
ብዘይ ምኽንያት ብዙሓት ረሺኑ ዘጸግዐ
ሕልሚ ነይሩዎዩ ክነብር ህዝቢ እናጋፍዐ
ሕጂ ኣይኮነን ጀሚርዎ ትምክሕቲ ብደዔ
ብሕቡእ ክንደይ ምሁር ብኮንቱ ዘይጠፍኤ
ኣዛብእ ከተማ ናይ በረኻ ዘናጣት ዓዋሉ
ብጓይላ ዳንኬራ መሪዞም ህዝቢ ዘታልሉ
ትምህርቲ ከልኪሎም ንኽደርፍ ዘፍቅድሉ
ካልእ ከየቃልቡ እንቶሽባዶሽ ከምዘዕልሉ
ኣብ ዓዲ ዘለኹም ክቡራን ክቡራት ህዝብና
ቲቪ.ኤረ.ብዘቕርቦ ብናይ ሓሶት ኣሳእልና
ከይተረዳኣኩም ከም ተማርሩ ንሰምዖ ኣለና
ህግደፍ ዘይፋሓሮ የለን ካባኹ ንኽንጽለና
ሓቂ ከይመስለኩም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎነኹምና
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ደገፍ ሂቡ እናበለ
ዘታልል ዘሎ ብዛዕባና ኣልዒሉ ዘይተባህለ
ብናይ ቀደም ኣብ ቦለኛ ብሰምንያ ዝተሳእለ
ንኸታልለኩም ንዝኣረገ ቪደዮ እናገንጸለ
ኣይትእመንዎ ነዚ ተኮለኛ ባዕሉ ዝተጸለለ
መሬት ጸቢባቶ እያ ዘላ ነቒሉዩ ንኹብላለ
ተደረዲኡናዩ ዝመስል ተግባራት ህግደፍ
በቲ እናቐተለ ኣብዚ ገንዘብ ከም ዘግድፍ
ሕጅስ ጠምዩ የምባሁቕ ኣሎ የህለፍልፍ
ሳንዱቑ ነዂላያ -0000 ማዕንዱ መሻርፍ
ሓገዝ ክልምኑ ፎቖዶ ሃገራት እንተዞሩ
ተጸበይቲ ክንከውን ኣይንደልን ስለ ትብሉ
ከምታ ጃህራኹም ብጽፍርኹም ድኣ ንበሩ
ይርዳእኩም ተባሂሎም ሽጣራኹም ደውሩ
ንነዊሕ ግዜ ተላጊጾሙልና እናሽካዕለሉ
ሎምስ ተጋሊጾም መዓልቶም ኣኺሉ
ውሑዳትዮም ተሪፎም ኣየሕድሩ ኣየውዕሉ
ኣብ ሃዋሁው ዝረገጹ ተስፋ ቆረጽ ዝደስከሉ
ኣያ ገረውልዱ ንሱዳን ሰለይቲ እንተሰደዱ
ኣብ ሶማል ሰራዊት ልኢኾም እንተ ዓረዱ
ንቕንጅት ንኦሮሞ ኣኻኺቦም እንተዋሃሃዱ
ወይዚ ገጂፍ ርእሲ ዘይሓፍር ኣረጊት ዕንዱ
ምዃን ኣብዩዎ ሰንቢዱ ኹቱር ኣዕበድቢዱ
በቲ ተሓተሞ በቲ እናተኻዕወ ተፈዲሑ ጉዱ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ን ስውኣትና
ኣሜን
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3553