ጀናዲ ፍረዜር ኣስመራ፡ ንኢትዮጵያ ባህ ንዘይምባል ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ሶማልያ ኢዳ ተእቱ ኣላ፤ ንዓብደልዋሕድ ኑር ከኣ፡ ንስምምዕ ናይ ኣቡጃ ከይፍርመሉ ትደፋፍእ

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

24.11.2006
             

ሱዳናዊት ጋዜጣ “ኣልስሓፋ”፡ “ኣልሓያ” ንእተባህለት ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ጠቒሳ፤ ዓብደልዋህድ ኑር፡ ነቲ ኣብ ኣቡጃ ኣብ መንጐ መንግስትን ተቓወምቲ ውድባት ዳርፉርን ዝተበጽሐ ስምምዕ መታን ከይክትም፡ ስርዓት ኣስመራ ብገንዘብ ከምዝደለለቶ ዝሕብር፡ ብወይዘሮ ጀናዲ ፍረይዘር፡ ናይ ኣፍሪቃዊ ጕዳያት ተሓጋጋዚት ሓላፊት ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ኣመሪካ፡ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብ’ቲ ብ23 ሕዳር 2006 ዝወጸ ሕታማ ኣስፊራቶ ኣላ።

ንናይ ኣቡጃ ስምምዕ መታን ከይፍርም ስርዓት ኢሳያስ ገንዘብ ሂቡኒ፤ ከምኡ ውን፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ግንባር ድሕነት ዳርፉር እተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ’ያ እትድግፎ ክብል ዓብደልዋሕድ ኑር ድሒሩ ሓቢሩኒ ብምባል ወይዘሮ ጀናዲ ፍረይዘር ኣቃሊዓ።

ዓብደልዋሕድ ኑር ዝመርሖ ውድብ ኣካል ናይ’ቲ ግንባር ድሕነት ዳርፉር ተባሂሉ ዝጸዋዕ ምሕዝነት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ስርዓት ኤርትራ ጌና ይድግፎ ምህላዉ’ዩ ዝፍለጥ። ጀናዲ ፍረይዘር፡ ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጥታት’ኳ እንተዘይብለይ፡ ዓብደልዋሕድ ኑር ዝሃበኒ ሓበሬታ ግን፡ ኣብ ኣፍደገ ናይ ምፍርራም ምስ በጻሕና ሓደ መጺኡ ንከይፍርም ኣዕጊቡኒ ዝብል ኢዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ሶማልያ ጣልቃ ትኣቱ ዘላ ንኢትዮጵያ ባህ ንዘይምባል ክኸውን እንከሎ፤ ኢትዮጵያ ግን፡ እቲ፡ ንናይ ኢትዮጵያ ኦጋደንን ናይ ከንያ ሶማላውያን ዝነብርሉ ክልን ዘጠቓለለት ዓባይ ሶማልያ ክንምስርት ኢና ዝብል ብእስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ሶማል ዝውሃብ ዘሎ መግለጺታትን፥ ናይ ኣልቃዕዳ ባእታታት ኣብ’ቲ እስላማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ዝቘጻጸርዎ ቦታታት ተዓቚቦም ምህላዎምን ክሻቕላ ግድነት ኢዩ ክትብል ጀናዲ ፍረዘር ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ ክልቲአን እተን ጋዜጣታት ተጠቒሱ ኣሎ።

እቶም መንጐኛታት፡ ናይ ኣቡጃ ስምምዕ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እናገለጹ እንከለዉ፥ ስርዓት ኣስመራ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ኣቡጃ ኣትሒዙ፡ እቲ ስምምዕ ጐደሎ’ዩ ዝብል ተረድኦ ንምሕዳርን፡ ነዚ ንምምላእ ኤርትራ ተራ ክውሃባ ከምዘለዎ ዝጠልብን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ከምዘካየደ ዝዝከር ኢዩ። ድሕሪ ስምምዕ ኣቡጃ ከኣ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ቅድሚ’ቲ ብዓወት ዝተዛዘመ ስምምዕ መንግስትን ተቓወምትን ግንባር ምብራቕ ሱዳንን፡ ግንባር ድሕነት ዳርፉር እተመስረተሉ ጕባኤ ኣብ ኤርትራ ኣስተናገደ። ዕላማኡ ከኣ፡ እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን ልዝብ እንተዘይተዓወተ፡ ጣልቃ ኣእታውነቱ ኣብ ዳርፉር ክቕጽል ብምሕሳብ ኢዩ።

ናይ ሱዳን ጋዜጣታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለጽኦ ከኣ፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን፡ ኣብ መንጐ ስርዓት ኣስመራን ዓብደልዋሕድ ኑርን በልሕ ዝዀነ ምስሕሓባት ተፈጢሩ ምህላዉ’ዩ። ከምኡ ውን፡ ዓብደልዋሕድ ኑር ምስ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ብተለፎን ኣብ ዝገበሮ ርኽክብ፡ ኤርትራ ሻራ ዘይብሉ መርገጽ ስለዘይትውንን፡ መንጐኛ ክትከውን ብቕዓት የብላን ዝብል ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ብዓሚቝ ዝዀነ ቅልውላው እናተሳቐየ እንከሎ’ዩ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ንምእታው ዝመጣጠር ዘሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3407

Posted by on Nov 24 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net