ኣየ መሽቀቕ!

ሕዳር 24-2006

ረ.ክ.(ባሻይ)

ዕጥቂ ኣላሻውያን ኩሉ ሳዕ ዘለቕለቕ

ልቕብቃብ ትሕዝቶ ተበታኺ መሽቀቕ

ህግደፍ ብዓል ስረ ኣቢሉዎም ሸታሕ

ዕርቡን ተቐቢሉ “ሰላማዊ ፍታሕ”

      ከድዓት ጠላማት ዕላምኦም ጸድፊ

      ኣመል ናይ ቀደሞም መጺኣ ’ታ ወልፊ

      ንፋለጥ እንዲና ደርጊ ’ሓይሽ ክብሉ

      ሕጂ ድማ ህግደፍ ስዓቱ ኣኺሉ

ብሰንኪ ከድዓት ጅግና ተባሪሩ

ኣንበሳ ናይ ሰውራ ኣርሓ ዝፈከሩ

ቀደም ፈንጢሑኩም ህግደፍ ኣባት-ነብሲ

ሕጂ ድማ ዝዋር መጺኡኩም ደግሲ

      ጽንቁቕ ትሕዝትኦም ብቱናት ዘረግቲ

      ብዓል ጓህሪ ቀሸም ጥራይ ሓምዂሽቲ

      ብዓል ጥሚቕ ሓሶት ዘይከውን ዘዕልሉ

      ንጻዕዳ ለመናስ “ሰላም” የውጽእሉ

ጽገና ክትብሉ ደይ ሓቅኹም ኢኹም

ብዓንቶብኡ’ውን ስቡር’ዩ ዓጽምኹም

ሃገር ዘይትፈልጡስ ሃገራዊ ዋዕላ

ንበይንኹም ድኣ ኪዱ ውዓሉላ

      ግርም መደብ ዕዮ ኣላሻዊ ንድፊ

      ስረ ከይተወድየስ ኣምጽኡለይ ቍልፊ

      በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ንዒቑኩም

      በዚ ሓደ ድማ ህዝቢ ርሒቑኩም

በይንኹም ትመኽሩ በይንኹም ተዕልሉ

ስጒምቲ ከይከድኩም ድሓር ትኽስ ትብሉ

ልሳንኩም ንለውጢ እንዳበለት ትልፍልፍ

እግርኹም ብጎተት ናብ ህግደፍ ትሓልፍ

      ህግደፍ ክስዓር ኢዩ ግን ክኣ ብዓመጽ

      ፈትዩ ከይፈተወ ብናይ ሓፋሽ ረመጽ

      ይሕሸና እንተልኩም ሓሊፍና ክንጸንሕ

      ኣይፋልናን ይብለኩም ካባኹም ዝጎርሕ

መንእሰይ ክልዓል ግዜ ኣርኪቡዎ

ብሰንኪ ጥልመትኩም ጽዕነት ከቢዱዎ

ከድምጽ ጀሚሩ ጸቢቡዎ ዓቕሊ

ጽባሕ ንጒሆ ድማ ቀላጽም ንላዕሊ

      ኩሉ ግዜ ’ለዎ ይጅመር ብታተ

      ጽንሕ ኢልካ ድማ ቍጸር ሐደ-ክልተ

      ይመስል ይኸውን ብቓላት ዝዕረ

      ቀይር ክበሃል’ዩ ዓንዴል ምስ መረረ

ንህግደፍ ዘይፈልጦ ንእሽቶይ ይመስሎ

ወደ-‘ርብዓ እኮ’ዩ ሳሕል ዝመልመሎ

ኣቱም ዘይነበርኩም ታሪኽ ተወከሱ

ዘራእቲ ቀደም’ዩ ሕጂ ተሓፊሱ

      መሰታ የብሉን ብዘይካ ዓማጺ

      መድሃኒት የብሉን ብጀካ ብጎንጺ

      ንዘተ እንተበለ ናይ ጽገና ጋንታ

      ኔው በል እግሪ መሶብ ዝሰይሐ ጣይታ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1393

Posted by on Nov 24 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net