በጃኺ ቲቪ-ኤረ ግደፍና ሓሶት በዚሑና !!

ገዛውቲ ይሕነጽ አሎ ትብልና

ሃገር ትልምዕ ኣሎ ትብልና

መንገድታት፡ ይስራሕ ኣሎ ትብልና

እነተኾነ ግና !!

ኣብ ስደት፡ ኣብ ቤት ማእሰረቲ  ወይ ኣብ በረኻ´ምበር

ኣብ ገዛስ ዝቕመጥ እዝጊ ነይራኣና

ባኒ ዝሰኣነ´ምበር ብባኒ ዝጸገበኳ ነይሰማዕና

ብእግሩ ዝኸይድ´ውን ይበዝሕ ካብ ብመኪና

ሎም ቂነ እሞ ጉድ ሰሚዕና

ጉዳይ ዶብ „ተፈቲሑ“ ኢላትና

ንጽባሒቱ ከኣ

„ኣብ ካርታ ምሕንጻጹ ግና ኣይንቕበሎን ኢና በለትና“

እንታይ ዓይነት ተጋራጫዊ ዜና! ሎምስ ገሪሙና! ገሪሙና!

ጋዜጠኛታት ሕጊ-ግደፍ ከማን ብሓሶት ምጽሓፍ በዚሒዎም

ኣብ መጨረሽትኡ ከኣ ሕልንኦም ድቃስ ከሊእዎም

„ብዙሓት ሎሚ ቂነ ስርሖም ራሕሪሖም ተሰዊሮም

ገለ ከኣ ከይስዕቡዎም ኣብ ቤት ማእሰረቲ ተዳጉኖም“

ካብ ኩሉ ዝገደደ ግና እናረኣዩ ዝዓወሩ አለዉና

ንሓሶት ቲቪ-ኤረ እናፈለጡ ዝውሕጥዋ ኣለዉና

ኣምላኽ/ኣላህ ምሕረቱ የውርደልና

ኣሜን! ኣሜን! ኣሜን እስከ ንበል ሓቢረና

ኣብራሃም ተኽለ

23.11.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1407

Posted by on Nov 23 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net